ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ጥምየት ንምውጋድ ናይ ፈተነ ፕሮግራም ክጅምር እዩ


ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ጥምየት ንምውጋድ ናይ ፈተነ ፕሮግራም ክጅምር እዩ
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ዝለዓለ ምምሕያሽ ውሕስነ ምግቢ መሊኡ ዘዝናኒ ኣይኮነን ተባሂሉ።ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ጥምየት ንምጥፋኣ ናይ ፈተነ ፕሮግራም ከምዝጅመር ሓደ ብዓል ስልጣን ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣፍሊጦም።

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም /ፋኦ/ ኣብ ኣፍሪካ ሓድሽ ራእይ ከምዝጅምር ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝጀመሮ ኣኼባ ፕሮግራም ግልፂ ገይሩ።

መሪሕ ቃል እቲ ኣኼባ ናይ ፋኦ ራኢይ ናብ ሓዱሽ ምትሕብባር ኣብ ኣፍሪካ ዝብል እዩ።
ብፍላይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ውሕስነት ምግቢ ዘለዋሉ ኩነታት ዝገለፁ ናይቲ ትካል ሓድሽ ኣተሓባባሪ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮምሽን ኢኮኖሚ ሕብረት ኣፍሪካን ወኪል ሞዲቦ ትራዋሬ እዮም።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝተኸሰተ ድርቂ ዝተፈጠሩ ብድሆታት ተቓሊሎም ካብ 2012 ንድሓር ዘሎ ግዜ ውሕስነት ምግቢ ብዝለዓለ ደረጃ ተመሓይሹ እዩ ምስበሉ ‘’ኣብቲ ዞባ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ይሳቐ ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ ማለት ኣብ ጁብቲ፣ኢትዮጵያ፣ኬንያን ሩዋንዳ ብድምር ብ50 ሚእታዊ ነኪዩ’ሎ።’’

እዚ ዘየተኣማምን እፎይታ እዩ ምስበሉ በዝሒ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ዓለም ሰለስተ ሚእታዊ እንተኾነ’ውን ናብ 40 ሚእታዊ ረድኤት ምግቢ ዓለም ዝወስድ እዚ ዞባ እዚ እዩ ኢሎም ትራዋሬ።

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ መሰረታዊ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ እናካየደ እዩ ዝበላ ድማ ናይቲ ትክላ ምኽትል ዋና ዳይረክተርን ናይ ኣፍሪካ ሓላፊትን ማዳም ማሪያ ሰኔዶ እየን።ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ሓሙሽተ ስትራተጂያዊ ዕልማታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም’ውን ኢለ ንሰን።

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ቀረባ ኣብ ኣፍሪካ ብዝጅምሮ ምትሕብባር ጥምየት ንምጥፋእ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ማለት ኣብ ኣንጎላ፣ኢትዮጵያ፣ማላዊን ኣብ ኒጀርን ናይ ፈተነ ፕሮግራም ክትግብር እዩ ኢለን።

እቲ ጉባኤ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ማዕልታት ዝፀንሕ ኮይኑ ካብታ ኣህጉርን ካብ ካልኦት ኽፋላት ዓለምን ብርክት ዝበሉ ክኢላታትን ሰብሙያን ከምኡ’ውን ሰበስልጣን መንግስትን ክሳተፍሉ እዮም።
XS
SM
MD
LG