ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኤርትራ ካብ ተርታ ተጸበይቲ ረድኤት ካብ ትወጽእ ነዊሕ ግዚያት ተቖጺሩ`ዩ` ይብል ምንስትሪ ወጻኢ`ታ ሃገር


ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ መግብን ሕርሻን ንዘውጽኦ ጸብጻብ ተመርኩሱ ምላሽ ዝሃበ ምንስትሪ ወጻኢ፡ ንኤርትራ ኣብ ተርታ ኣዝየን ዝጠመያ ሃገራት ክተእቱ ምፍታን ዝሕፍር`ዩ ይብል።

መርበባት ሓበረታን ናይ ዜና ትካላትን፡ ንኤርትራ ኣብ መንጎ`ቶም ብደርቅን ጥምየትን ዝተጠቕዓ ሃገራት ዘእቱ ጸብጻብ ኣጋዊሐን ምንባረን እቲ ምንስትሪ ብምጥቃስ፡ እቲ ተግባር ዘገርም`ኳ እንተኾነ እቶም ነቲ ጸብጻብ ዝውጽኡ ግን ኣመሎም`ዩ ክብል ገሊጹ`ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኤርትራ ትኾርዓሉ ነባራዊ ምልኣተ-መግቢ ዛጊድ ዘየረጋገጸት`ኳ እንተኾነት፡ ካብ ተርታ`ቶም ሓገዝ ዝትኮበሎም ሃገራት ካብ ትወጽእ ግና ነዊሕ ግዚያት ኣቑጺራ ከምዘላ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ብውድብ መግብን ሕርሻን ንኤርትራ ዝተዋህበ ረድኤት ከምዘይነበረ ዝገለጸ መግለጺ፡ ኣብ 2009 ባህሪያዊ ሓደጋ ተኸሲቱ ሕጽረት መግቢ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን`ውን እንተኾነ፡ ንኤርትራ ዝተዋህበ ባኒ ከምዘይነበረ ይገልጽ።

ንምሉእ ዘብጻብ ሰናይት ሃብቱ ኣብ ሰኑይ ዝተፈነወ ዜና ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG