ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ


ድሕሪ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:51 0:00

ድሕሪ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ምሟቶም ተገሊጹ

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ኣብ ክልል ትግራይ 1,329 ሰባት ብጥምየት ምሟቶም ምርግጋጾም ኣብቲ ጉዳይ መፅናዕቲ ዝገበሩ ኣካላት ከምዝሓበሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ፤። ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለን ሰበ ስልጣን ጥዕና እቲ ኽልልን ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ “ጥምየት ጠንቂ ሞት ኮይኑ ምህላዉ” የመልክት።

ካብ 15-29 ነሓሰ 2023 ብሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ትሽዓተ ንኡሳን ወረዳታት ትግራይን 53 መዓስከራት ተመዛበልቲን ንዝተኻየደ ቆፀራ ስድራቤታት መሰረት ገይሩ ዝተገብረ መፅናዕቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝርከብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ሰበስልጣን ጥዕና እቲ ክልልን ዝመርሕዎ እዩ።

ተመራመርቲ እቲ መፅናዕቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ጥምየት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ምዃኑን ዛጊት ኣብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ ድማ 68% ሞት ጠንቁ ጥምየት ምዃኑ ውፅኢት እቲ ምርመራ የርኢ።

ኣብ ትግራይ ብድምሩ 88 ንኡሳን ወረዳታት ዝርከባ ኮይነን 643 መዓስከራትን ተመዛበልቲ ድማ ይርከቡ። ካብዚ ብምብጋስ ቁፅሪ ብጥምየት ዝሞቱ ክዓቢ ግድን እዩ።

ኣብዚ እቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጥቀስ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ትግራይ ንምስራቕ እኽሊ ረዲኤት ስዒቡ ብኣመሪካን ትካል ሕቡራት ሃገራትን ዝግበር ዝነበረ ሓገዝ ብምቑራጹ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG