ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ 16- ሚልዮን ብርን 98-ሽሕ ዶላርን ትምዩን ገንዘብ ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ገሊጹ


ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ - ፋይል
ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ትምዩን ገንዘብ(ናይ ሕሶት ገንዘብ) ምሕታም ዘተሓሳስብ እናኾነ ይመፅእ ምህላው ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 16 ሚሊዮን ትምዩን ናይ ኢትዮጵያ ብር ልዕሊ 98-ሽሕ ድማ ናይ ኣመሪካ ዶላር ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ገሊፁ።

እቲ ትምዩን ገንዘብ(ናይ ሕሶት ገንዘብ) ኣብ ዕዳጋ እንስሳትን ኣብ ገባራትን ብስፍሓት ከምዘሎ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ምኽትል ሓላፊ ክፍሊ መርመራን ክትትልን ገበን ክንዱ ወልዴ ሓቢሩ፤ ንሶም ወሲኾም ናይዚ ግዳይ ኣብ ገጠር ዝነብር ማሕበረሰብ እዩ ኢሉ።

ናይ ሓሶት ገንዘብ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምግዳድን ቁጠባ ኣብ ምዝባዕን ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝገለፀ ማሕበር ስነ-ቁጠባ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ስርዓት ዕድጊ ክሰፍሕ እቲ ማሕበር ምዒዱ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG