ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝርዝር ዝፈሸላ መንግስታት ሎሚ`ውን ብደረጃ ሕመቕ ካብቶም ቀዳሞት ኮይነን ኣለዋ


እቲ ዝርዝር ሶማሊያ ቁጽሪ ሓደ፡ ቻድ-2፡ ሱዳን ቁጽሪ 3፡ ኢትዮጵያ ቁጽሪ 20፡ ኤርትራ ቑጽሪ 28 እናበለ ክሳብ`ታ ዝበለጸት ዝተባህለት ፊንላንድ-177 ይቕጽል

ቤቱ ፅሕፈቱ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ THE FUND FOR PEACE ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝርዝር ናይ ዝፈሸሉ መንግስታት መግለፂ ማለት’ውን Failed States Index በብዓመቱ የውፅእ።ናይ 2011 ኣ/ፈ እውን ኣውፂኡ ኣሎ።

ሎሚ’ውን ከምቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሱማሊያ ኣብቲ ናይ ዝፈሸሉ መንግስታት ዝርዝር ቀዳምነታ ዘሕደጋ ሃገር የለን።ኣብዚ ዓመት ቻድ ኻልኣይቲ ሱዳን ድማ ሳልሰይቲ ብምዃን ይኽተልኣ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሰደቓ ኣብመበል 19 ናይ ዝፈሸሉ መንግስታት ዝርዝር ትርከብ።

ኤርትራ ድማ ኣብመበል 28 ተሰሊፋ ትርከብ።ኣብ FUND FOR PEACE ዝሰርሓን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምውዳድ ሓበሬታን ምምዳብ ደረጃን ዝተኻፈላ ወ/ሮ ጆሊ በርባንክ ምስ ናይ ዓሚ ብምንፅፃር ኢትዮጵያ ዓሚ መበል 17 ከምዝነበረትን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር ግን ካብዝሓለፈ ዓመት ምምሕያሽ ከምዘርአየትን ወ/ሮ በርባንክ ይገልፃ።

ኤርትራ ብኣንፃሩ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሰደቓ ካብዝሓለፈ ዓመት ቁሩብ ውርድ ከምዝበለት እየን ወ/ሮ በርባንክ ዝገለፃ።

FUND FOR PEACE ንሃገራት ገምጊሙ ብደረጃ ምምዳብ ዝጀመረ ኣብ 2005 ኣ/ፈ እንትኸውን እቲ ናይ ደረጃ ኣመዳድባ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦን ተሰማዕነትን ከምዘለዎ ኩልሻዕ እውን ምርምሩ ከምመረዳእታ ከምዝጥቀስን ብሰፊሑ ዝምስገነሉ ከምዝኾነን እቲ ትካል ይገልፅ።

FUND FOR PEACE በብእዋኑ ዘውፅኦም ዝርዝራት ንመግስታት የካፍል።ብኻሊእ ኣበሃህላ እቲ ሰደቓ ዕላዊ ሰነድ እዩ።ነገር ግን ንመንግስታት እነውፅኦ ዝተፈለየ ሪፖርት የለን።መንግስታት ብዛዕባ እቶም ዝተውሃቦም ነጥብታት ሒዞም ኩልሻዕ ናባና ይመፁ።ንሕና’ውን ንምንታይ እቲ ዓይነት ነጥቢ ከምዘምፅኡ እንታይ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ብታሕጛስ መብርሂ ንህቦም ይብላ ንሰን።

‘’ቅድሚ ሕዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዘራሪቦምና ይፈልጡ እዮም።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር ግን ክሳብ ሕዚ ቐሪቦም ኣይፈልጡን’’ ክብላ ወ/ሮ ጆሊ በርባንክ ብምውሳኽ ገሊፀን።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG