ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥረ ሓቅታት ምርጫ ክልል ትግራይ


ኣብ መረፃ ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 76 ሚልዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው::

ኣብ 38 ክልላት መረፃ 2,672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ::

ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ኣርባዕተ ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኣብቲ መረፃ ተሳቲፎም::

ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ካብቲ ምርጫ ንርእሶም ኣገሊሎም እዮም::ክልተ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ እውን ንባዕሎም ኣግሊሎም።

እቲ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ንምቁፅፃር እዩተኻይዱ:: 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ 38 ድማ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባት ዝረኸብዎ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ::

XS
SM
MD
LG