ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣብ ቅነ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዘየፋልጥ ገሊፁ


ፌስቡክ ኢንኮርፓሬትድ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣብዝካየደሉ ሰሙን ሓዱሽ ፖለቲካዊ ምፍላጥ ወይ ኣይድቨርታይዝመንት ከምዘይቕበል ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣፍሊጡ።ፍኑው ኣገባብ ናይ ምዝራብ ነፃነት ንመስርሕ ምድማፅ ክዝምዝሞ ይኽእል እዩ ብዝብል እዩ ነዚ ዝወሰነ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ማሕበራዊ መራኸቢ ማርክ ዙከርበርግ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝፀሓፎ መልእኽቲ ‘’ኣብ ሃገርና ክፍፍል ስለዘን ውፅኢታት ምርጫ ንምፍላጥ ማዕልታት ወይ ሰሙናት ክወስድ ስለዝኽእልን ኣብ መላእ እታ ሃገር ስቪላዊ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ስለዝኽእል የጨንቐኒ እዩ’’ ኢሉ።

ንቕቡልነት ምርጫ ዘስእን ናይ ውሽጥን ወፃእን ፈተነታት ይውስኽ ምህላው ፌስቡክ ይዕዘብ ከምዘሎ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG