ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈይስቡክ ኣብ ሰሙን 66 ሽሕ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝወጹ ልጣፋት(ፖስት) ከምዝድምስስ ኣፍሊጡ


ግኑን ማሕበራዊ መራኸቢ ዓለምና ፈይስቡክ : ብሰንኪ ዘለዎም ትሕዝቶ ጽልኢ ካብ ገጻቱ ዝኣልዮም ቁጽሪ ልጣፋት(ፖስት) ኣብ ሰሙን 66 ሽሕ ከምዝበጽሕ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ፈይስ ቡክ ነዚ ኣብ ዘፍለጠሉ: ምህላይ ወይድማ ምድምሳስ እዞም ትሕዝቶ ጽልኢ ዘለዎም ጽሑፋት: ምስ ምምያ ማለት Censorship ኮይኑ ከምዝስምዖ ጠቒሱ: ይኹንምበር ነዚ ብዝምልከት ኣዕጋቢ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ገሊጹ።

ፈይስ ቡክ ጽልኢ ዘለዎም ጽሑፋት ኢሉ ዝገልጾም: ካብ ዓሌታዊ ትሕዝቶ: ጾታዊ ኣረኣእያን ካልኦት መሰላትን ተበጊሶም: ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት መጥቃዕቲ ዘካይዱ ምዃኖም ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ነዚ ኣብ ምትግባር ድማ: ዝበዝሕ ግዜ ኣብቶም ኣስታት ክልተ ቢልዮን ዝበጽሑ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ዘቕርብዎ ጥርዓት ምርኩስ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ኣባላቱ ድማ ነቲ ጥርዓን ምርኩስ ብምግባር ነቲ ዝቐረበ ልጣፍ ከምዝምርምርዎን: ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ድማ ከምዝኣልይዎን ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፈይስቡክ: ዛጊት 4,500 ኣባላቱ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ከምዝነጥፉ ብምግላጽ ተወሳኺ 3,000 ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክቖጽር ምዃኑን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG