ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ቁጽሪ ተጠቀምቲ Facebook ይስስን ኣሎ


Facebook-User-in-Mekele
Facebook-User-in-Mekele

ኣብ ትግራይ ቁጽሪ ኢንተርኔት ዝጥቀሙ መናኣሰይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ’ሎ

ኣብ ትግራይ ቁጽሪ ኢንተርኔት ዝጥቀሙ መናኣሰይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ’ሎ። ብፍላይ ፌስቡክ ዝተባሃለ መርበብ ማሕበራዊ ርክብ ንብዙሓት መናኣሰይ ስሒቡ ከምዘሎ ብጋህዲ ይረአ። ውሉፋት ፌስቡክ ኣብ እንዳ ኢንተርኔት ይውዕሉን የምስዩን ኣለዉ።

ግርማይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ኢንተርኔትን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ዝረኸኦም መናእሰይ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሂቦምዎ ኣለዉ። ዝበዝሑ ፌስቡክ ምስ መሓዙቶምን ፈተውቶምን የራኽቦም ስለዘሎ ዝሐሸ መራኸቢ ሜላ ርክብ ኮይኑ የገልግሎም ከምዘሎ ይገልጹ።

ለኣለም ተጫነ መናእሰይ ብፌስቡክ ኣቢሎም ምስ መታዕቢቶምን ጠፊኦም ዝነበሩ መሓዙቶምን ይራኸቡ ከምዘለዉ ገሊጹ ኮይኑ ግና ውጽኢት ኣብ ዘይብሉ ርክብን ወግዕን ንዝውዕሉ መናእሰይ ድማ ዓብይ ሕማም ኮይኑ ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ MIT ተምሃራይ ርብዓይ ዓመት ሓበሬታን ርክብን ሳምሶን መብራህቱ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 12 ሳዓታት ከምዝጥቀም ይዛረብ። መንእሰይ ኣለም ድማ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ግዜ ስለዘሕልፍ ንመመርቒ ትምህርቱ ዝኸውን ፕሮጀክት ኣብ ምስንዳእ ዕንቅፋት ከምዝኾኖን ፅቡቕ ውጽኢት ከምዘይረኸበን ይገልጽ። ብዙሓት ፈተኹኺ ፈተኹኻ እናተባሃሃሉ ግዜኦምን ገንዘቦምን ካብ ምውዳእ ክድሕኑ ይምዕድ።

ኣብ ፌስቡክ ብምውዓሎም ንዝጠፍእ ዘሎ ግዜ ሰበብ ከየብዘሑ ዓርሶም ክወቕሱ ከምዝግባእ መእሰይ ዳዊት ከበደ ገሊጹ እዩ።

ፌስቡክ ዕድል ትምህርትን ስራሕን ንምትእልላሽ ዝጥቀምሉ መናእሰይ ከምዘለዉ እዉን ይፍለጥ። ኮትስ ፌስቡክ ሂወት ብዙሓት መናእሰይ ብሕማቕ ኮነ ብጽቡቕ ይፀልዎ ከምዘሎ ንምርዳእ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG