ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትምህርታዊ ሓገዝ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ


እንግሊዛዊ ዴቭድ ስቴብልስ ቅድሚ 55 ዓመታት እዮም መሬት ኣፍሪካ ረጊፆም። ኬንያ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኣብ ዝወፀትሉ እዋን ወታሃደራዊ መሃንዲስ ኰይኖም ሰሪሖም። ብድሕሪኡ እውን ናብ ምዕራብ ኣፍሪካ ብምኻድ ኣመሓዳሪ መፍረዪ ትካል ብምዃን ሰሪሖም እዮም።

ስርዓት ደርግ ምስ ወደቐ ኣብቲ እዋን ኣመራርሓ ስራሕ ትካል ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋርን ትግራይ ኣገልጊሎም።

ዴቭድ ስቴብልስ ዕድሚኦም እናደፈአ ምስ መፀ ካብቲ ዝነበሮም ስራሕ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ብኽብሪ ተሰናቶም፤ ንዝተፀገሙ ኣፍሪካውያን ቈልዑ ትምህርታዊ ሓገዝ ዝህብ ትካል ገባር ሰናይ (A-CET) ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣጣይሾም።

ፀገማት ኢትዮጵያውያን ብኢትዮጵያውይን እዩ ክፍታሕ ዝግበኦ ዝብል መርገጺ ህያው ንምግባር ድማ መሳርሕቲ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጣይሾም። ብመሰረት እዚ EYES ማለት እውን ትምህርታዊ ሓገዝ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ ዝተሰመየን ብኣይተ ብስራት መስፍን ዝምራሕን ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ገባር ሰናይ ትካል ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ።

ገለ ካብቶም ተማሃሮ
ገለ ካብቶም ተማሃሮ

ዴቭድ ስቴብልስ ብዘጣየሽዎ ትካል ኣቢሉ ካብ 1997 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዙ 500 ተማሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም፤ እዞም ተማሃሮ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ሰልጢኖም ድማ ንዓርሶምን ስድረኦምን በቒዖም። ካልኦት 150 ተማሃሮ እውን ናፃ ዕድል ረኺቦም ኣብ ትምህርቲ ይርከቡ።

ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመንሰያትይ ኢትዮጵያ (EYES) ካብ 10 ዓመታት ንነጀው እኹል ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዘይረኸባ ጣብያታት ገጠር ትግራይ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ሓኒፆም። ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚአን 8000 ቈልዑ ይመሃሩ ኣለዉ።

ዴቭድ ስቴብልስ ኣብ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ንዘወፈይዎ ኣገልግሎት ሰናይ ተግባር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ማዕረግ ከምዝሃቦም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክአል።

ትምህርታዊ ሓገዝ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:20 0:00

XS
SM
MD
LG