ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ብዝቐጸለ ኲናት፡ ኣስታት 755- ሺሕ ሱዳናውያን ኣብዘን ዝቕጽላ ኣዋርሕ ጥምየት ከም ዝጽበዮም ሓዲሽ ሪፖርት ኣመልኪቱ። እቲ ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመርሐ መጽናዕቲ፡ 8.5 ሚልዮን ሱዳናውያን ድማ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ሓቢሩ`ሎ።
ነዚ ዳሕራዋይ መጽናዕቲ ዘካየዶ ኢንተግረይትድ ፉድ ሰኩሪቲ ፋይዝ ክላሲፊከሽን ማለት ጥሙር ጸብጻብ ውሕስነት መግቢ ዝተባህለ ተበግሶ`ዩ። ኣብ 2004 ኣብ ግዜ ጥምየት ሶማል ዝቖመ ኮይኑ ልዕሊ 12 ትካላት ሕቡራት ሃገራትን መንግስታትን ዝሓቖፈ`ዩ።
ሱዳን ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ብኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሓን ዝምራሕን ብኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝምራሕን ዝተወልዐ ኲናት፡ እታ ሃገር ኣብ ፍኑው ዝኾነ ኲናት`ያ ተሸሚማ ዘላ።
በቲ ኲናት ልዕሊ 14-ሺሕ ሲቪላት ከም ዝተቐትሉን ኣስታት 33- ሺሕ ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ተሓለቕቲ ግን እቲ ኣሃዝ ልዕሊኡ ምዃኑ`ዮም ዝኣምኑ።
ሕጂ ጥምየት ጀሚርወን ዘሎ ከባብታት፡ ንካርቱም ወሲኽካ፡ ዳርፉር ፡ ዞባ ኮርዶፋን ከምኡ`ውን ዞባታት ብሉ ናይልን ጃዚራን ምዃነን እቲ ሪፖርት የመልክት። እቲ ኣብ ሰነ 2023 ዜሮ ዝነበረ ቁጽሪ ድማ ሎሚ ናብ 755- ሺሕ ከም ዝዓረገ ተጠቒሱ`ሎ።
እቲ ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሪፖርት "እቲ ግጭት ሰፊሕ ምምዝባላትን ምዕጻው መስመር ቀረባትን ምስዓቡ ከይኣክል ናብ ተጸበይቲ ዘሎ ተበጻሕነት`ውን ደሪትዎ" ይብል።
ብሓፈሽኡ 25.6 ሚልየን ማለት ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ካብዚ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥሞ ይኽእል`ዩ ክብሉ`ውን የጠንቅቑ።
ግጭት ሱዳን ካልእ ከም ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝበሉ ብገበናት ኲናት ዘሕትቱ ተግባራት `ውን ምፍጻሞም እቲ ሪፖርት ኣመልኪቱ`ሎ።
ትጃዳ ዶ`ይን ምኪና፡ ሓላፊ መርሲ ኮርፕስ፡ ምስፋሕ `ቲ ኲናት ከም ኣብ ጀዚራ ዘሎ ሕርሻታት ምህርቲ ከተዓናቕፎ ከም ዝጀመረን፡ ተቓላዕቲ ዝብሃሉ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከም ዘለዉን ኣፍሊጡ`ሎ።
"ጉዳይ ሱዳን ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ዝዓበየን ሸለል ዝተባህለን ሰብ፡ዝሰርሖ ጥፍኣት ኮይኑ`ሎ" ዝበለ ሓላፊ መርሲ ኮርፕስ፡ ድሕነት ሲቪላት ንምርግጋጽ እቲ ቅልውላው ቅልጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ዝሓትት ኮይኑ`ሎ ኢሉ።
ቅጥዒ