ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪኢቶታት፡ካብ ናይ ህውሓት ኮንፈረንስ እንታይ ትፅቢት ይግበር?


ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ልዕሊ 2,500 ኣባላቱን ልዕሊ 200 ድማ ካብ ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ካልኦት ክልላትን ይሳተፍሉ ዘለው ውድባዊ ኮንፈረንስ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ’ሎ።

እዚ ህውሓት ን35 ማዕልታት ዘካየዶ ገምጋምን ናይ መሪሕነት ለውጥን ከምኡ እውን ኢህወዴግ ን17 ማዕልታት ዘካየዶ ገምጋም ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ ላዕለዎት መራሕቲ ውድባይ ይሳተፍሉ ዘለው ዋዕላ እዩ።

ኣብዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ማዕልታት ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ትፅቢቶም እንታይ ከምዝኾነ፣ኣብ ባይታ ክልወጥ ዝደልዩዎም እንታይ ምዃኖም፣ህዝቢ ዝደልዮ መሰረታዊ ለውጢኸ ይመፅእዶ ይኸውን ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝነጥፉን ንናይታ ክልልን ሃገርን ፖለቲካዊ ኩነታት ዝከታተሉን ሰለስተ ኣጋይሽ ሪኢቱኦም ይህቡ።ኣቶ ደጋፊ ጎድፋይ ካብ ከተማ መቐለ፣መንእሰይ ባሻ ደስታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ገብረስላሰ ኣርአያ ድማ ካብ ስዊድንን እዮም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:19:38 0:00

XS
SM
MD
LG