መቐለ —
እቲ ኣብ ሚላኖ ሆቴል ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀነሐ ዓውደ ርእይ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝረኣዮን እዚ ድማ ዝምስገንን ዘተባብዕን ምዃኑ እቶም መንእሰያት ገሊፆም።
እቶም ኣሳእል ካብ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ቅዲ ብምሓዝ ካብ ሳእኒ ኰንጎ፣ካብ ንቑፅ እንጀራ (ኰረንሾ)፣ካብ ካሴትን ዝተዳለዎን ብእርሳስን ዝተስኣሉ እዮም።
ህዝቢ ናብቲ ምርኢት ንምእታው ሓንቲ እርሳስ እዩ ከፊሉ፤ እዚ ድማ ተዋህሊሉ ነቶም ብሰንኪ ሓደጋ ድርቂ ናውቲ ትምህርቲ ዝሰኣኑ ወገናት ሓገዝ ዝውዕል እዩ ይብል ሓደ ካብቶም ሰኣልቲ ሰለሞን ገብሩ።
እቶም ሰኣልቲ ካብ ህዝቢ ዝረኸብዎ ናእዳን ሓገዝን ዘሐጉስ ኰይኑ በቶም ፀዊዖሞም ዝተረፉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ግን ሓዘን ከምዝተሰመዖም ደጋጊሞም ገሊፆም እዮም።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብፍላይ ኰሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ንቐፃሊ ክሕግዞምን እቲ ብቓል ዝዝረብ ብተግባር ክፍጽምዎም’ውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።