ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲምፖዚየም Origin Africa 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ


Orgin Africa 2015 B
Orgin Africa 2015 B

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፍተ Origin Africa 2015 ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ ጡጥ፣ዓለባን ኣልባሳትን ኢንዱትሪ ሲምፖዚየም ንናይ ውሽጥን ወፃእን ሰብ ሃብቲ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ክፈጥር እዩ ተባሂሉ።ኣብ ዝቕፅል የካቲት ስርሑ ክጅምር እዩ ዝተባሃለ መንገዲ ባቡር ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ንናይታ ሃገር ኢንዱትሪታት ዓለምለኸ ተዋዳዳሪይነት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ስምፓዚየም አብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኸፍተሉ እዋን መደረ ዘስምዑ ሚንስትር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመደ ኣብተው እቲ ስፖዚየም ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ኤግዚብሽን ካብ 27 ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ፣ኣሜሪካ፣ኢሲያን ኣፍሪካን ዝመፃ ልዕሊ 185 ኩባንያታት ይሳተፋ ኣለዋ።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ምርኢት ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እቲ ኢንዱስትሪ ትኹረት ዝገበሩ ሰሚናራት ከምዝካየዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሲምፖዚየም Origin Africa 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:39 0:00

XS
SM
MD
LG