ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ሰንበት ኣኼባ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ


ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝቕፅል ሰንበት ኣኼባ ከምዘካይድ ተፈሊጡ።ኣርባዒተን ኣባል ውድባት ገዛኢ ፓርቲ ነንበይነን ዘካይድኦ ግምገማ ኣብዚ ኣኼባ ከምዝዘራረብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም ኣለው።

ድሕሪ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሕድ ሕድ ኣባል ውድባት 45 ኣባላት ብድምር 180 ኣባላት ዝልእኻሉ ቤት ምኽሪ ዝመርፆ ኣቦ መንበር ናይቲ ግንባር ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝኸውን ተገሊፁ’ሎ።

ብድልየቶም ካብ ስልጣኖም ከምዝወርዱ ዘፍለጡ ኣቦ ወንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ክሳብ ዝምረፅ ኣብ ስርሖም ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

ኣፍሪቃ ኒውስ ዝተባህለ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ዜና ማዕኸን ብሽም ፈልዩ እንተዘይፀውዐ እውን ቀፃሊ ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ኦሮምያ ከምዝኸውን ወረታት ከምዝናፈሱ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ሰንበት ኣኼባ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

XS
SM
MD
LG