ካልኦት ድማ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፀገማት ብፅንዓት ሰጊርካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምንባርን ምስራሕን ይከኣል እዩ ዝብል ተሪር እምነት ኣለዎም።
እንቁጣጣሽ መብራህቱ በቲ ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝፈለመቶ መሸጣ ጥዑም ቡን ትልለ። ብኽልቲኡ ሸነኽ ንውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ረጊፁ ዝሓልፍ ጋሻ እንዳ እንቁ ቡን ከይጠዓመ ዳርጋ ኣይሰግርን።
እንቁ ጥዑም ቡን ብምፍላሕ ጥራይ ዘይኮነስ ሰናይ ኣቀራርባን መስተንግዶን እውን ከምትኽእለሉ ብዙሓት ይምስክሩ።
እንቁ እርኑብን ሓያል ስራሓታ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት ኣጐናፂፉዋ እዩ።
ኣብዚ ሐጂ እዋን ናብ ከተማ መቐለ እውን ብምምፃእ ተወሳኺ እንዳ እንቁ ዝተሰየመ ቤት መስተን መዘናግዒን ከፊታ ስራሓታ ኣበርቲዓ ኣላ።
“ፈተና ዘይብሉ ስራሕ የለን፤ ኩሉ ስራሕ ፈተና ኣለዎ፤ እቲ ቀንዲ ቁም ነገሩ ነቲ ፈተና ብኸመይ ትሓልፎ ኣብ ዝብል እዩ ዘሎ” ትብል።
እንቁ ኣብዚ ሐጂ እዋን ርእሳ ብምኽኣል ጥራሕ እውን ዘይኮነስ ንስድራኣ እውን ትሕግዝ ንኣሓታን ካልኦት ወገናታን እውን ዕድል ስራሕ ፈጢራ ብዝሓሸ ተስፋን እምነትን ንቕድሚት ትግስግስ ዘላ ጐርዞ እያ።
“ስደት ከም መማረፂ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን፤ ንስደት ከይዱ ከምቲ ዝተመነዮ ዝሓለፈሉ ሰብ እውን ርእየ ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ኣብ ዓዲና ሰሪሕና ክሓልፈልና ይኽእል እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለኒ” እውን ትብል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንኸሎ መንግስቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ወረዳታት ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳር ነቲ ስደት ከም መማረፂ ዝወስድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክነብር ክሕግዝዎን ኣብ ጐኑ ደው ክብሉን ይግባእ ብምባል ተዘኻኽር እንቁ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።