ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ተኣሲሮም


ሰብ-መዚ ፓኪስታን ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ኢምራን ኻን ኣብ ቀይዲ የእትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ምስ ጉዳይ ግብረ-ሽበራን ካልእ ምጥፍፋእን ዝተተሓሓዘ ክስታቶም ንምስማዕ ሎሚ ሰሉስ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ይጓዓዙሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን’ዮም ብወታሃደራት ተቐዪዶም ተወሲዶም።

ጠበቓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ እቶም ወታሃደራት እናወሰዱዎም ጎንጺ ዝተሓወሶ ኣካላዊ ምጕስቓል ከም ዝወረዶም ኣመልኪቶም። መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ነጺጉዎ ኣሎ።

ኣብ ፖኪስታን ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰልፊ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ነቲ ተግባር ኣትሪሮም ብምዅናን፡ ነቲ ተግባር “ስራሕ ግብረ-ሽበራን ሕጊ ጫካን” ክብሉ ጸዊዖሞ ኣለዉ።

ወዲ-70 ዓመት ኻን ኣብ ሚያዝያ 2022’ዮም ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር እኹል ድጋፍ ብዘይምርካቦም ካብ መዝነቶም ተኣልዮም።

XS
SM
MD
LG