ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጋዜጠኛታት ኣቕቲሉ ዝተባህለ ኣባል ኣል-ሸባብ ነበር ብናይ ሞት ፍርዲ ተቐጺዑ


ሓሰን ሓናፊ ሓጅ ኣብ ዝተቐትሉ ዝተወስደ - ሚያዝያ 11,2016
ሓሰን ሓናፊ ሓጅ ኣብ ዝተቐትሉ ዝተወስደ - ሚያዝያ 11,2016

መንግስቲ ሶማል ንሚሊሻታት ኣል-ሸባብ ብምሕጋዝ ካብ 2007-2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሞቓዲሾ ብውሑዱ ንሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ንክቕተሉ ሓጊዙ ተባሂሉ ንዝተኸሰ ጋዜጠኛ ነበር ረሺኑ።

መንግስቲ ሶማል ነቲ ሓሰን ሃናፊ ሓጅ ዝተባህለ ውልቀ-ሰብ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ኣካዳሚ ከምዝረሸንዎ ሰበ-ስልጣንን መሰካክርን ገሊጾም። ሓጂ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ብሕቶ መንግስቲ ሶማል ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ክምለስ ዝተገብረ፡ ክሳብ መጀመርያ 2015 ዓ.ም እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ከምዝጸንሐን ብመርትዖታትን ባዕሉ ብምእማኑን ኣብ መወዳእታ እቲ ብይን ተወሲኑ እቲ ፍርዲ ምፍጻሙ ተገሊጹ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ሶማሊያዊያን ከሊፍ ናሪፍ ወዲ 21 ዓመትን ሓውን ዓብዱራሕማን ወዲ 18 ዓመት ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ 2014 ዓ.ም ካብ ገዝኦም ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ጉኒ ዳዕሽ ኾይኖም ንምውጋእ ናብ ሶሪያ ከምዝኸዱ አብ ኹናት ከምዝተቐትሉን ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ሎሚ ሶኑይ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጉ ኣብ ቐጽሪ ሓደ ቤት-መግቢ ተተኹሱ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቕትሉን ካልኦት ሸውዓተ ከምዝቖሰሉን ሰበ-ስልጣንን መሰኻክርን ኣፍሊጦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንጋዜጠኛታት ኣቕቲሉ ዝተባህለ ኣባል ኣል-ሸባብ ነበር ብናይ ሞት ፍርዲ ተቐጺዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:35 0:00

XS
SM
MD
LG