ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውሮጳን ኣሜሪካን ውድብ ጥዕና ዓለም ንምምሕያሽ ይሰርሓ ከምዘለዋ ተገሊጹ


መንግስታት ሃገራት ኣውሮጳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዳግም ንውዳብ ምስ ኣሜሪካ ይሰርሑ ከምዘለው ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣውሮጳዊት ሃገር ኣፍሊጦም። እዚ ኣውሮጳ ንገሊኦም ስኽፍታታት ኣሜሪካ ትካፈሎም ምዃና ዘርኢ ምልክት እዩ።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣውሮጳ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ይካየደሉ ዘሎ ወግዓዊ ተበግሶ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ጣሊያንን ንውድብ ጥዕና ዓለም ንምምሕያሽ ምስ ኣሜሪካ ይዘራረባ ኣለዋ ኢሎም።

እቶም በዓል ስልጣንዕላምኡ ድማ ኣብ ፈለማ እዚ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ንዝተላዕለ ቅልውላው ቫይረስኮሮና ግብረመልሲ እቲ ውድብ ናብ ቻይና ዝተፀግዐ እዩ ዝብል ክሲ ምኽንያት ብምግባር ነፃነት ናይቲ ውድብ ንምርግጋፅ እዩ ኢሎም ።

‘’ኣተሓሕዛ ሃንደበታዊ ሓደጋ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ተፅዕኖ ሓንቲ ሃገር ንምልቓቕ ዝከኣለሉ ኣገባባት ንዘራርብ ኣለና’’ ኢሎም ወሲኾም።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ኣዐሪዩ ዝተፀግዐ እዩ ክብሉ ብምኽሳስ ካብ ኣባልነት ንምውፃእን ሓገዝ ገንዘብ ጠጠው ምባሎምን ኣፍሊጦም እዮም።

ዛጊት ወግዓዊ መርገፂ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ክመፅእ ዘለዎ ኣብ ግብረመልሲ ለበዳ ቫይረስኮሮና ገምጋም ምስተኻየደ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።

ምንስቴራት ጥዕና ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘካየድዎ ቪዲዮ ኮንፈረንስ ግን ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ተወሳኺ ፅልዋ ኣውሮፓ ክህልዎ ድልየቶም ኣርእዮም ኣለው።

ምንስትራት ጥዕና ጀርመንን ፈረንሳይን ገምጋምን ምምሕያሽን ኣድላዩ እዩ ክብሉ ንመዘነታቶምገሊፆምሎም።እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሕብረት ኣውሮፓ ተነዲፉ ብኩለን 192 ኣባል ሃገራት ካብዝፀደቐ ውሳነ ጥንክር ዝበለ እዩ።

ብሪጣንያ ግልፅነት፣ኣድማዕነትን ሰናይ ምሕደራን ንምትብባዕ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ከምዝሰርሐት ወሃቢ ቃል መንግስቲ ብሪጣንያገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG