ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት-ኤውሮጳ፡ ጉዕዝኡ ምስ ብሽክለታ ተመሳሲሉ`ሎ- ምኻድ እተቋሪጹ ዝወድቕ


28 ዝኣባላቱ ሕብረት-ኤውሮጳ፡ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማት ኣጋጢምዎ`ሎ- ዝሕታለ-ዕብየት ኤኮኖሚ፡ ናህሪ ሸቕሊ-ኣልቦነት፡ ስሚዒት ወገንነት፡ ማዕበል ፍልሰተኛታት፡ ስግኣት ሽበራ ፡ ከምኡ`ውን ዳግመ-ምትንሳእ ሩስያ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ መጻኢ ዕድልን ቅርጽን ሕብረት-ኤውሮጳ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ይርከብ። ኤውሮጳውያን ኣውጻእቲ ፖሊሲታትን፡ ተንተንትን፡ ንፕሮጀክት ውህደት ሕብረት-ኤውሮጳ ምስ ብሽክለታ የወዳድርዎ- ጉዕዞኣ ጠጠው እንተቢላ ትወድቕ። ብዙሓት ክኢላታት፡ እታ ብሽክለታ ትቕጽል ከምዘላ ዝኣምኑ`ኳ እንተኾኑ፡ ካልኦት ድማ ኤውሮጳዊት ብሽክለታ ኣኻይድኣ ልውይውይ ትብል ዘላ ትመስል ይብሉ።

ብሪጣንያ ካብ`ቲ ደምበ ክትወጽእ ምምራጻ፡ ፖላንድን ሃንጋሪን ልኡላውነትና ኣረጋግጹልና ምባለን፡ ንናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ፓርቲ ምርጫ ዝተዋህበ ድኹም ምላሽ፡ ከምኡ`ውን ንብራስልስ ዝውሃብ ስልጣን በዚሑ ዝብሉን ካልኦትን ካብ መንጎ`ቶም ከም ጠንቅታት ዝርኣዩ ዘለዉ`ዮም።

ቻርለስ ኩፑቻን፡ ኣብ ምምሕዳር ኦባማ፡ ክኢላ ጉዳይ ኤውሮጳ ዝነበረ`ዩ፡ “ኤውሮጳ ካብ ሕብረት ናብ ነብስወከፍ ሃገራት፡ ናብ ተሪር ልኡላውነትን ዕጹው ዶባትን ትምለሰሉ ኩነታት ንርኢ ከይንህሉ ይስከፍ`የ” ይብል ።

ኣብ ቤት-መኽሪ ዝምድናታት ወጻኢ ዝሰርሕ፡ ጀፍሪ ገድሚን ብወገኑ፡ ንዝሓለፈ 10`ታት ዓመታት፡ ንኤውሮጳ ሰላምን ብልጽግናን ክልግሰላ ዝጸንሐ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ብቕጽበት ይሃስስ ኣሎ ይብል። ካብ መንጎ ምኽንያታት ገሊኡ፡ ግሎባላውነት፡ ትንሳኤ ሩስያን፡ ዳግመ-ምቑጣብ ኣመሪካን ምዃኑ`ውን ይጠቅስ።

ካልኦት `ውን፡ ህዝቢ ኤውሮጳ ነቲ ዝሓለምዎ፡ ማእከላይ እቶት-ናብራ ስለዝሰኣንዎ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዘይምሕጓስ ስምዒት ኣሎ ይብሉ። ስተፈን ዛቦ ካብ ጆን ሃብክንስ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ካብኦም`ዩ፡

“ንዕኦም ትኸውን ኤውሮጳ ኮይኑ ክስምዖም እንተኾይኑ፡ ሻቕሎቶም ግምት ክውሃቦ ኣለዎ” ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዖ ይክኣል።

ማሕበራውን ፖሊቲካውን ቅልውላው ኤውሮጳ፡ በዚ ዳሕራዋይ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብኢሱዎ ይርከብ-መብዛሕቲኦም ካብኦም ሙስሊም`ዮም።

ድሕረ-2ይ ኩናት ዓለም-ኤውሮጳ፡ ካብ ዩ.ኤስ `ውን ቀጻሊ ድጋፍ`ያ ክትረክብ ጸኒሓ። ግን ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ`ውን ግዜ ይቕየር ኣሎ`ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ትራንስ-ኣትላንቲክ፡ ጉዳይ ምሽካም ዕዳን፡ መሻርኽቲ ዝህልወን ሓላፍነትን ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ጎሊሑ መጺኡ`ሎ። ስተፈን ዛቦ ግን፡ ድሕሪ ምምሕዳር ትራምፕ`ውን እንተኾነ፡ ኣመሪካ እቲ ንዝሓለፈ 50 -60 ዓመታት ክትጻወቶ ዝጸንሐት ተራ ክትቅጽሎ`ያ ኢልካ ምግማት ይሸግር`ዩ ይብል።

ብዝኾነ ግን፡ ኤውሮጳክ ኣብ`ቲ ማዕበል ክትሃድም ዘይኮነትስ ኣብ`ቲ ማዕበል ክትሳፈር ከምዘለዋ መብዛሕቲኦም ተንተንቲ ይሰማምዑ።

XS
SM
MD
LG