ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን በዝሒ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ክውስኽ እዩ ተባሂሉ


who logo
who logo

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ወርሕታት ጥቅምትን ሕዳርን ክውስኽ ትካሎም ትፅቢት ከምዝገብር ገሊፆም።

ሃንስ ክላግ ምስ ዜና ማዕኸን AFP ሎማዕንቲ ሶኑይ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ‘’ከቢድ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን ተወሳኺ ሞት ክንሪኢ ኢና’’ ኢሎም።

ክላግ ናይቲ ለበዳ መቃበፂ መንገዲ ክታበት ኣይኸውንን ክብሉ እውን ኣጠንቂቖም።’’እቲ ለበዳ ብክታበት እዩ ክቃበፅ ዝብል ኩሉ ግዜ እሰምዕ እየ።ግን ኣይጠፍእን’’ ኢሎም።

ብምስዓብ ‘’እቲ ክታበት ንኹሉ ሰብ ይሰርሕ እንተኾይኑ እውን ኣይንፈልጥን።ንሓደ ክፋል ወይ ጉጅለ ሕብረተሰብ ሰሪሑ ነቲ ካሊእ ከምዘይሰርሕ ገለ ምልክታት ሪኢና ኣለና’’ኢሎም ብውምሳኽ። ‘'ዝተፈለየ ክታበት ንምእዛዝ ድማ ብሎጂስቲክ ዘይክኣል ፈተና እዩ’’ ኢሎም።

ናይቲ ለበዳ መወዳእታ ከም ማሕበረሰብ ምስቲ ለበዳ ምንባር ምኽኣል እዩ ኢሎም።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ክሳብ ሎማዕንቲ ሶኑይ ንጉሆ በዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 29 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ 924,000 ተመዝጊቦም ኣለው ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ።

ኣብ ሓደ ማዕልቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክብረ ወሰን ብምስባር ትማሊ ሰንበት 306,857 ከም ዝተመዝገቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።።

ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ 6.5 ሚሊዮን ዝተትሓዙ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ክትኸውን ከላ ህንዲ 4.8ብራዚል 4.3 ብምምዝጋብ ካላይን ሳልሳይን ይስዕባ ኣለዋ ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስት።

XS
SM
MD
LG