ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያን ፈረንሳን ሓዊሱ ኣብ ኣውሮጳ ብርቱዕ ዋዒ ኩነታት ኣየር ዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ የጋጥም'ሎ


ኣብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ
ኣብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ብሪጣንያን ፈረንሳን ሓዊሱ ገለ ኸባቢታት ኤውሮጳ ዝለዓለ ኾይኑ ዝተመዝገበ ዋዒ አጋጢሙወን'ሎ። ኣብ ብሪጣንያ አጋጢሙ ዘሎ ዋዒ ግን ልዕሊ 30 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ኸኣ 104 ዲግሪ ፋራንሃይት እዩ ።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ሰባት ካብቲ ኽቱር ዋዒ ንምዝሓል ኣብ ጃሕጃሕታ ማይ ዘለዎ ህዝባዊ ቦታታት ክሕንብሱ ተራእዮም'ለዉ።

ሓንቲ ካብኦም ካብ ሙኒክ ዝመጸት ጓል 37 ዓመት በጻሒት ሃገር ተረሳ ቡቻበርገር እያ።

"ውዑይ ኩነታት ኣየር ይፈቱ'የ። ግን ኣብዘን መዓልታት ዘሎ ዋዒ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ስለዚ ገለ ዝናብ እንተወቅዓ ኢለ ይጸበ'ለኹ።ወይ ከኣ ቁሩብ ዝሕል እንተበለ ግን ካብ ዛሕሊ ሙቀት ይሓይሽ" ትብል።

ብሰንኪ እቲ ውዑይ ኩነታት ኣየር ብሰሉስ ኣብ ኣቴንስ ግሪስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ዘገደደ ባርዕ ሓዊ አጋጢሙ'ሎ።

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ብብርቱዕ ንፋስ ንዝጋደድ ዘሎ ባርዕ ሓዊ
ብኣየርን ብምድርን ይቃለሰዎ ከምዘለዉ ሰበ ስልጣን ገሊጾም።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ዛሞራ ስፔን'ውን ብሰንኪ ብርቱዕ ውዑይ ኩነታት ኣየር ኣብ ጫካታት'ታ ሃገር ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ'ሎ።

ቪክቶር ፈርናንደዝ ወሃቢ ቃል ሓደ ብርጌድ መጥፋእቲ ባርዕ ሓዊ'ዩ።

"ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ኣዝዩ ዓቢ ባርዕ ሓዊ'ዩ። እቲ ንፋስ ኸኣ ናብ ብዙሕ ኣንፈት ይሰፍሕ'ሎ። ኣዚዩ ነዊሕ እዩ ብፍላይ እቲ ናብ ሽነኽ ምዕራብ ዘብል ኣዝዩ ዘሻቅል እዩ። ሕጂ ወሳኒ ግዜ'ዩ ምኽንያቱ ንፋስ ስለ ዝመጽእ: ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዞማር ብሰንኪ'ቲ ባርዕ ሓዊ ጫካ 69 ዓመት ዝዕድሚኦም ክልተ ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ስፔንን ፖርቱጋልን ዛጊት ምስቲ ብርቱዕ ዋዒ ብዝተተሓሓዘ 750 ሰባት ምሟቶም ኣሶሰይትድ ፕረስ ሓቢሩ'ሎ።

ኪኢላታት ከሊማ እዚ ዝለዓለ ዋዒ መጠንቀቅታ እቲ ቀልጢፉ ዝንህር ዘሎን ንዝመጻ 30 ዓመታት ኸኣ ንህይወት ዜጋታት ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅን ለውጢ ኸሊማ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

XS
SM
MD
LG