ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀንዲ ሃገራት ኣውሮፓ ዘተ እንተዘይተጀሚሩ ንፍልስጤም ከም ነፃ ሃገር ኣፍልጦ ክንህብ ኢና ይብላ'ለዋ ኣለዋ


ቀንዲ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ዝርርብ ሰላም እንድሕር ድኣ ዳግም ዘይተጀሚሩ ንፍልስጤም ከም ነፃ ሃገር ኣፍልጦ ከምዝህብኣ ይገልፃ ኣለዋ።

ክልቲኦም መራሕቲ ፈረንሳይን ብሪታንያን ኣብዚ ሰሙን ከምዝበልዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኒው ዮርክ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘልዕለሉ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ናይ ሰላም ስምምዕ እንድሕር ዳግም ዘይተጀሚሩ ፍልስጤም በይና ከም ሃገር እንተኣዊጃ ደገፎም ከምዝህቡ ገሊፆም ኣለው።

እቲ ናይ ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኒኮላስ ሳርኮዚን ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ዴቪድ ካምሮንን መርገፂ ቀዳማይ ምንስቴር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ደገፍ ኣውሮፓ ንምርካብ ኣብዚ ሰሙን ምስ ክልቲኦም መራሕቲ ንምርኻብ ፃዕሪ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ምምፅኡ ዕንቅፋት ከምዘጋጥሞም ዘርኢ እዩ።

ዮሲ መከልበርግ ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ረጀንት ኮለጅ ተንታኒ ማእኸላይ ምብራቕ እዮም።እቲ ናይ ኣውሮፓዊያን መርገፂ ኣብቲ ናይ ሰላም ከይዲ ካብ ዘሎ ተስፋ ናይምቑራፅ ዝውሰደ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ ይገልፁ።

110 ሃገራት ንፍልስጤም ዲፕሎማሲያዊ ኣፍልጦ ሂበንኣ ኣለዋ። ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ዝኾና ፖላንድ፡ሩማንያን ሃንጋሪን ሓዊሱ ማለት እዩ።ሕብረት ኣውሮፓ ግን ኣብቲ ጉዳይ ሓደ መርገፂ ኣይሓዘን።ናይ ጀርመን ቻንስለስር ኣንጌላ መርከል ትማሊ ሓሙስ ምስ ፕሬዝዳንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ ኣብ ዝተራኸባሉ ፍልስጤም በይና ስጉምትታት ምውሳዳ ተቓዊመንኦ።

ተንታኒ መከልበርግ እውን በዚ ይሰማማዕ።

እዚ ዕድል እዚ ንመፃኢት ናይ ፍልስጤም ነፃ ሃገር ንምሕጋዝ ፈረንሳይ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ እተተኣናግዶ ናይ ሓገዝቲ ጉባኤ ክልዓል ይኽእል ይኸውን።ምንስቴር ወፃኢ ፈረንሳይ ኣላን ዡፔ ከም ዝበልዎ መንግስቶም እቲ ጉባኤ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ሰላም ዝርርብ ዳግም ንምጅማር ከም መድረኽ ከም ዝጠቅም ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG