ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ፥ እማመ ዘይሕጋዊ ስደት ብሪጣንያ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጻረር'ዩ ኢሉ


ብሪጣንያ ናብ ሃገራ ንዝኣትዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንምኽልካል ዝዓለመ እማመ ዘይሕጋዊ ስደት ብሪጣንያ ምስቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጋጮ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

እዚ ብባይቶ ዝፀደቐን ብንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ክፍረም ወግዓውነት ዝፅበ ዘሎ እማመ ብጃልባ ዝመፁ ስደተኛታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰል ዝኽልክል እዩ።

እቲ እማመ ምስ ግዴታ'ታ ሃገር ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ዝጋጮ ኮይኑ ኣብቶም ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ዓሙቕ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ክብሉ ሓለፍቲ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለፂ እቲ እማመ ንዝኾነ ሰብ ብዘይስሩዕ መንገዲ ንዝመፅእ ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ንኸይረክብ ዝዓግት እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክን ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲን እቲ እማመ ሰባት ኩነታቶም ብዘየገድስ ሓለዋ ሕቶታት ስደተኛታት ከየቕርቡ ዝኽልክልን ውሱን ፍርዳዊ ክትትል ዘለዎም ስፍሕ ዝበለ ሓድሽ ናይ ማእሰርቲ ስልጣን ዝፈጥርን እዩ ኢሎም።

"እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ንብዙሓት ዝከላኸለሉ ሕጋዊ ቅርፂ ብዓቢኡ ይሽርሽሮ ንስደተኛታት ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ንኸቢድ ሓደጋታት የቃልዕ" ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG