ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ስደተኛታት አብ አውሮጳ


ንምዕራብ ኣንፊቶም ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣብ ቀንዲ ጣቢያ ባቡር ቡዳፔስት ሃንጋርይ ተኣኪቦም ኣለው። ናበይ ከምዘምርሑ ግና ኣይፈልጡን። ሓለፍቲ’ቲ መንገዲ ባቡር ንኣገልግሎት ባቡር ዓፅዮምዎ።

ሃንጋርይ ነቲ ቅልውላው ዝሓዘትሉ ኣገባብ ቅኑዕ’ዩ ኢሎም ኣብ በሩስለስ ምስ ሰበ-ስልጣን ኣውሮጳ ዝመኸሩ ቀ/ሚ ቪክቶር ኦርባን።

28 ኣባላት ዝሓዘ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ውግእን ድኽነትን ካብ ዘጥቀዐን ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ንዝተሰደዱ ልዕሊ 320,000 ሰባት ንምቕባል ይቃለሳ ኣለዋ።ሎም-ዘበን ጥራሕ ኣስታት 800,000 ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ትባሃል ጀርመን፣ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ንከሐግዛኣ ተማሕፂና’ያ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ሚንስቲራት ወፃኢ ጣልያን፣ ፈረንሳይን ጀርመንን፣ተሪር ግብረ መልሲ ቅልውላው ስደተኛታት ንክዋሃብ ንዝፅውዕ ሰነድ ከቲሞምሉ ኣለው።28 ሃገራት ዝኣባላቱ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ 11 መዓልታት፣ህፁፅ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00

XS
SM
MD
LG