ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

25 ስደተኛታት ኣብ ማያት ቱኒዝያ ጠሊቖም ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ናብ ኣውሮጳ የምርሑ ዝነበሩ 25 ስደተኛታት ኣብ ማያት ቱኒዝያ ጠሊቖም ሞይቶም።

ሓንቲ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ቱኒዚያ ጠሊቓ ብውሑዱ 25 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ሞይቶም 15 ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ሰበስልጣን ቱኒዚያ ገሊፆም።

ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዚያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ እታ ጀልባ 15 ሬሳ ምርካቦም ዓቃቢ ሕጊ ወደባዊት ከተማ ስፋክስ ፋውዚ ማስሙዲ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊፁ።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ እውን እቶም ሓለዋ ባሕሪ ካብታ ዝጠለቐት ጀልባ ካልእ 10 ሬሳ ምርካቦም ን72 ስደተኛታት ድማ ምድሓኖም ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኾኑ ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን። ዳርጋ ኩሎም ዝሞቱን ዝድሓኑን ኣፍሪቃዊያን ምዃኖም ማስሙዲ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝሒ ብገማግም ቱኒዚያ ገይሮም ክወፁ ዝፍትኑ ዘለው ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዚያ ይገልፁ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም ንስደተኛታት እቲ ሓደገኛ መገዲ እዩ ።

XS
SM
MD
LG