ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ናብ ጽዋዕ መን ዓተረ ምሕላፈን ኣረጋጊጸን


ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ
ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ

ኣብ ግጥማት ቻምፕዮንሺፕ ኣውሮጳ ይሳተፋ ዝጸንሓ ጋንታታት ሊቨርፑልን ቶተንሃም ሃትስፐርን ንመጋጥምተን ብኣገራሚን ዘይእመንን ኣገባብ ብምስዓር ናብ ግጥም ጽዋዕ መን ዓተረ በጺሔን።

ኣብ'ቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ስታድየም ኣያክስ ኣምስተርዳም ዝተካየደ ግጥም ኣያክስን ቶተንሃምን ንሰማዕን ንተመልካቲን ዘስደመመ ውጽኢት ተመዝጊቡ ኣሎ። ምናልባሽ ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮንሺፕ ኣውሮጳ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ጋንታ ቶተንሃም ተዓዊታ ኣላ።

ጋንታ ኣያክስ ኣምስተርዳም ኣብ ሜዳ ቶተንሃም 1 ንዜሮ ሎሚ ድማ ኣቐዲማ ክልተ ንዜሮ ትመርሕ ነይራ። እዚ ካልኣይ ምድብ ግጥም ብዓወት ኣያክስ ዝተዓጸወ ይመስል ነይሩ። እንተኾነ ተጻወቲ ቶተንሃም ኣከታቲሎም ክልተ ሸቶ ኣመዝጊቦም እቲ ጸወታ ክሳዕ መዛዘሚ ሰኮንድ ብመሪሕነት ኣያክስ 3 ን 2 ቀጺሉ ናይ ሞንጎኛ ፊሽካ ሙሉእ ስታድየምን ብቴለቭዥን ዝከታተልን እናተጸበየ ከሎ፣ ቶተንሃም ሳልሰይቲ ሸቶ ኣብ ዝሞተ ሰዓት ኣቑጺራ። ኣዝዩ ዘገርምን ዘስደምምን።

ማዕረ ሰለስተ ንሰለስተ እቲ ጸወርታ ተዛዚሙ። ብመሰረት ሕጊ ፊፋ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ብዙሕ ሸቶ ዘመዝገበት ጋንታ ቶተንሃም ስለዝኾነት ኣውቶማቲክ ሓላፊት ኮይና ኣላ።

ጋንታ ሊቭርፑል ንጋንታ ባርሴሎና ትማሊ ዝሳዓረት ኣገባብ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገራሚ ነይሩ።

ባርሴሎና 3 ን ዜሮ ትመርሕ ነይራ። ሊቨርፑል ትማሊ ኣርባዕተ ሸቶታት ኣቑጺራ ንባርሳ ካብ ውድድር ወጻኢ ገይራታ ኣላ። ብመሰረት'ዚ ክልቲኤን እንግሊዛዊያን ጋንታታት ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ንናይ ሎም ዘበን ግጥም ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ማድሪድ ስጳኝ ክጋጠማ'የን።

XS
SM
MD
LG