ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"እስራኤል ኣብ ቓዛ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ትጥቀመሉ’ላ"ጆሰፕ ቦሬል


ጆሰፕ ቦሬል - ፋይል
ጆሰፕ ቦሬል - ፋይል

እስራኤል ኣብ ቓዛ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ትጥቀመሉ’ላ ክብሉ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፕ ቦሬል ሎሚ ሰኑይ ከሲሶም።

ቦሬል ኣብ ብራሰልስ ንመድረኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ንኸይኣትው ብምኽልካል እስራኤል ኣብ ቓዛ ዓፀቦ ንኽፍጠር ትገብር’ላ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ወሲኾም "ኣብ ደረጃ ጥምየት ኢና ዘለና ኣሸሓት ሰባት ይትንክፍ’ለው፡ እዚ ጥምየት ምሉእ ብምሉእ ሰብ-ሰርሖ’ዩ" ኢሎም።

"እዚ ፈፂሙ ዘይቅቡል’ዩ ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ስራሕ ይውዕል’ሎ፡ እወ ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ይትግበር’ሎ" ክብሉ'ውን ኣትሪሮም ተዛሪቦም።

ጆሰፕ ቦሬል ቀጺሎም "ሰበ-ስልጣን እስራኤልን ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁን ንፃዕርታት ረድኤት ምትዕንቃፎም ጠጠው የብሉ፡ እዚ ናይ ሎጂስቲክ ጉዳይ ኣይኮነን ፍልስጤማውያን እናጠመዩ ስቅ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና" ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG