ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምክልኻል ማያት ቀይሕ-ባሕሪ ኣሃዱ የዳልው


ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት
ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ካብ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ንዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ሓደጋ ንምክልኻል፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓባራዊ ኣሃዱ ምክልኻል ንምስዳድ ይዳሎ ኣሎ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ሰኑይ መደብ ሰሪዖም ኣለዉ።

ካብ ተወከልቲ እቲ ሕብረት ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝጸንሓ ብውሑዱ ኣርባዕተ መራኽብ ንምስዳድ ኣብ ምድላው ኣሎ።

ኣብዚ መደብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያን በልጁምን ክሳተፋ ምዃነን ድሮ ኣመልኪተን ኣለዋ።

ነቲ ተልእኾ’ውን ግሪኽ’ያ ክትመርሖ።

እቲ ኣብ መበገሲኡ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሓለዋ ስራሕ፡ ብቀይሕ-ባሕሪ ገይረን ንዝጓዓዛ መራኽብ ውሕስነት ክህብ ትጽቢት ይግበሮ።

ኣመሪካን እንግሊዝን ድሮ መራኽብ ኣዋፊረን ኣብቲ ዞባ ይነጥፋ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ቓዛ ገለ ፍልልይ ስለ ዝጸንሖ፡ ናብ ሓባራዊ መርገጺ ክወስድ ንነዊሕ ተከራኺሩ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG