ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"አውሮጳ ንኹሉ ከጋጥም ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ክትዳሎ አለዋ" ፕረዝደንት ቤትምክሪ አውሮጳ


europe
europe

አውሮጳ ንኹሉ ከጋጥም ዝኽእል ተርእዮታትን ክፈጥሮ ዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታትን ክትዳሎ አለዋ ክብሉ ፕረዝደንት ቤትምክሪ አውሮጳ አፍሊጦም።

ዶናልድ ተስክ ነዚ ዘፍለጡ "ንአዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት" ንዝበልዎ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት አፍሪቃን መራሕቲ 28 ሃገራት አውሮጳ ክዘራረብሉ ትጽቢት ንዝግበረሉ ዋዕላ ሕቡራት አውሮጳ አብ ብራስለስ አብዝተአናገደሉ'ዩ።

ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ሶርያ አብ ሊብያ ዘሎ ህውከትን ስደተኛታት ንዘስተናግዳ ዘለዋ ሃገራት ግሪክ፡ቱርኪ፡ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ንምሕጋዝ ዝብል ዛዕባታት ዝለዓለ ትኹረት ዝወሃቦ ምኳኑ ተስክ ገሊጾም'ለዉ። "አብቲ ዞባ ንዘሎ አዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት ክንዘራረበሉ ኢና። ምስ ቱርኪ ንላዘብ አለና። አብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ገና ህውከት ሓዘል'ዩ። አብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት'ውን የንቆልቁል'ዩ ዘሎ እዚ ኩሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ክፈጥር ይኽእል'ዩ። ግዴታና ንኹሉ ተዳሊኻ ምጽናሕ'ዩ። ንርእስና ክንሓቶ ዘለና ውሳኔታት ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ከይመጽእ ንምግታእ እኩል ድዩ ዝብል'ዩ" ይብሉ ተስክ።

ቱርኪ ዳርጋ 2 ሚሊዮን ሶርያዊያን አዕቁባ'ላ።ቻንስለር ጀርመን አንጀላ መርከል ነቲ ቅልውላው ስደተኛታትን ምግታእ አውሮጳ ምስ ቱርኪ ክትተሓባበር አለዋ ኢለን'ለዋ። ነቲ ጾር ክንካፈሎ ይግባእ ኢለን።

ፕረዝደንት ፈረንሳ ፍራንሰዋ ኦላንድ ብወገኖም ነቲ ቅልውላው ንምግጣም ክንሓብር አለና ኢሎም'ለው።

XS
SM
MD
LG