ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋግአ ሰላምን ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ክመፅእን ኩሎም ወገናት ሓቢሮም ክሰርሑ ሕ/ኣውሮጳ ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረጋግአ ሰላምን ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ክመፅእን ኩሎም ወገናት ሓቢሮም ክሰርሑ ወሃቢ ቃል ጉዳያት ርክብ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲቶም።

ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብዘውፅእዎ መግለፂ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ስልጣን ምውራድ ኣብታ ሃገር ናይ ምትእምማን ምጥፍኡ ኩነታት ከምዝፈጥር ብምሕባር ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝተባህሉ ኣወንታዊ ለውጥትታት ምሉእ ብምሉእ ክቕፅሉን ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣገደስቲ ምዃኖም ሓቢሮም።

እቲ ቅልውላው ሰላማውን ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ሰበስልጣን፣ተቓወምቲ፣መራኸቢ ብዙሃን፣ስቪል ማሕበራት ብሓፈሻ ኩሎም ሰብ ብፅሒት ተኻፈልቲ ዝኾንሉ ሃናፂ ልዝብ ብምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።

ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ዳግም ምእዋጁ ነቲ ሰላማዊ ስግግር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኾነ ዝሓበረ እዚ መግለፂ እቲ ኣዋጅ ንሓፂር እዋን ክኸውንን ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰፈሩ ሰብኣዊ መሰላት ዘይጥሕስን ናይ ዓመፅ ተግባር እውን ከወግድ ከምዘለዎን ኣመልኪቱ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል

XS
SM
MD
LG