ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ


Vice-President Josep Borrell
Vice-President Josep Borrell

ላዕለዋት ወኪል ምኽትል ፕሬዝዳንት ጆሴፍ ቦረል፣ኪሚሽነር ጁታ ኣርፒለይነንን ኮሚሽነር ጃነዝ ሌናርቺቺን ሎማዕንቲ ሶኑይ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይካ ንእሽተይ ምኽፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምእታውዝለዓለ ድልየት ንምምላእ፣ሓደጋ ዓፀቦ ንምውጋድን ተወሳኺ ህይወት ከይጠፍእ ንምክልኻልን ናብ ትግራይ ምእታው ምኽልካል ቀፂሉ ኣሎ።

ማእኸላይን ምዕራብን ትግራይ ብሰፊሑም ብፃሕ ኣይክኣልን፤ክልተ ናይኤርትራዊያን መዕቖቢ ስደተኛታት ማእኸላት ፈፂሙ ክብፃሕ ኣይተኽኣለን።

እቲ መግለፂ ብምቕፃል ናብ ኩሉ ዝተሃሰየ ከባቢታት ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብመትከል ገለልተኝነት፣ሰብኣዊነትን ነፃነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅራብ ክፍቀድ ኣለዎ ኢሉ።

ሕብረት ኣውሮፓ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ዝወሃብ ሓለዋ ዘተሓሳስብ እዩ ይብል።ይወርድ ዘሎ ጉድኣት፣ከቢድ ሰብኣዊ መሰላት፣ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታትን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ይግእሃስ ከምዘሎ ፀብፃባት ኣለው ይብል ሕብረት ኣውሮፓ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛ፣ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ሰብኣውነትን ሓለዋ ምግባር ከምዝግባእ፣ ናይ ምምላስ ተግባር ወይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይሊ ከይምለሱ ሓለዋ ምግባሩ ከረጋግፅ ግቡእ እዩ ይብል።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ግጭት ትግራይ የጎሃህሩን ጭፍጨፋ ይፍፅሙን ዓሌታዊ ህውከት የጋድዱ ከም ዘለው ይግለፅ ዘለውን ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣብ ምፅዋዕ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ዩናይትድ ስቴርስ ተፀምቢሩ ኣሎ ይብል።

ሕብረት ኣውሮፓ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ስራሕ ከምዝድግፍን ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታትን በደላትን ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕግን ምርመራ ክቕፅል የተባብዕን ይብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓ ንዘቕረቦም ምኽረ ሓሳባት ክቕበሎን ነፃ ምርመራታት ብምክያድ ንዝተፈፀሙ መግሃስታትን በደላትን ምሉእ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ኣብ ግብሪ ከምዘውዕልን ተስፋ ንገርብ ይብል መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ።

XS
SM
MD
LG