ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣስታት 61-ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል ምዃኑ ኣፍሊጡ


ንጉዳይ ስደተኛታት ጠሚቱ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጀነቫ
ንጉዳይ ስደተኛታት ጠሚቱ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጀነቫ

ንጉዳይ ስደተኛታት ጠሚቱ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጀነቫ ዝተረኽበት ኮሚሽነር ዘቤታዊ ጉዳያት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ሕብረት ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣስታት 61-ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምቕባል መደብ ከም ዘለዎ ኣመልኪታ። ኮሚሽነር ይልቫ ዮሃንሰን ኣብ መግለጺኣ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣስታት 175-ሽሕ ስደተኛታት ምቕባሉ ኣፍሊጣ።

ንሳ ኣስዒባ 14 ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመት ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቢሎም ንዝመጽኡ ስደተኛታት ንምቕባል ድልውነት ምርኣየን ኣመልኪታ። ኣስማት እተን ሃገራት ግን ኣይሓበረትን።

ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ስደተኛታት ዑቕባን ውሕስነትን ምሃቡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ'ሎ። እዚ ኣሃዝ 20% ናይ ጠቕላሊ ብዝሒ ስደተኛታት’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG