ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ይበጽሓ


ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሊንን -ፋይል
ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሊንን -ፋይል

ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሊንን ምስ ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒን ትማሊ ሰንበት 17 መስከረም 2023 ኣብ ወደብ ሰሲሊያን ላምፐዱሳ ተራኺበን፡ተዘራሪበን።

እዚ ምብጻሕ እተን ሰብ-መዚ እታ ደሴት ምስ ምዕልቕላቕ ሓደሽቲ ስደተኛታት ትቃለስ ኣብዘላትሉ ሕጂ እዋን'ዩ።

ኣብዚ ዓመት 126,000 ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ኣለው። እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ዳርጋ ብዕፅፊ እዩ ወሲኹ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ቁፅሪ ኣብ ላምፐዱሳ ዝኣትው ሰባት ኣዚዩ ወሲኹ'ዩ። ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 7,000 ሰባት ኣትዮም ኣለው። እዚ ኣሃዝ ልዕሊ ቀዋሚ ህዝቢ እታ ደሴት እዩ።

ቫን ደር ሊን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ ዘሎ ፀቕጢ ንምቅላል ዓሰርተ ነጥቢ ዝሓዘ ናይ ስጉምቲ መደባት ኣፍሊጠን ኣለዋ። መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ብጀልባ ኣቢሎም ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ይመፁ።

"ንኹሉኹም ክዛረቦ ዝደሊ ስደት ናይ ኣውሮጳዊያን ፈተና ስለዝኾነ ናይ ኣውሮጳዊያን ምላሽን ፍታሕን ዘድልዮ ምዃኑ እዩ። ኣብ ባይታ ለውጢ ዘምፅእ ጭቡጥ ስጉምትታት የድሊ። ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም’’ ኢለን።

እቲ መደብ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ወፃኢ ዶባት ኤጀንሲ ፍሮንተክስ ምጥቃም ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ምፍላይን ዑቑባ ንዘይግብኦም ምብራርን ዝሓወሰ እዩ።

ብዛዕባ እቲ መደብ ድሮ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝተዘራረባሉን ደገፍ ክረኽባ እምነት ከምዘለወንን ቫን ደር ሊን ገሊፀን።

ዑደት ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ ዝመፅእ ዘሎ ነቶም ስደተኛታት ንምዕቋብ ሓደስቲ መዓስከራት ንምህናፅ ንዝተታሓዘ መደብ ብዝምልከት ነበርቲ ተቓውሞ ድሕሪ ምስምዖም እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2022 ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ብምዃን ዝተመረፃ መሎኒ ቀንዲ እምነ ኩርናዕ መምረጺኣን ኣንፃር ዘይሕጋዊ ስደት ዘለወን መርገጺ እዩ ነይሩ። ምንሃር ዋሕዚ ስደተኛታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ርእሲ ሕማም ኮይኑወን ኣሎ።

ሎሚ ሰንበት ካብኒአን ምህናፅ ሓደሽቲ ማእኸላት መዳጎኒንን መባረሪን ሓዊሱ ፅኑዓት ስጉምትታት ንምፅዳቕ ክእከብ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG