ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ኣውሮፓ ናይ ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምንካይ ሓለዋ ዶባተን ንኸሐይላ ንሃገራት ኣፍሪካ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ንምምዳብ ትልሚ ሒዙ’ሎ።ቀንዲ ጠመተ እቲ ሓገዝ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካን ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ሱማሊያን ዝኣመሰላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን እየን።
ሕብረት ኣውሮፓ ልዕሊ 160 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ብዛዕባ ምክፍፋል ውሳነ ንምሃብ ኣብዝዳለወሉ ዘሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽን ሰብኣዊ ረድኤት፣ ኣተሓሕዛ ቅልውላውን ዓለምለኸ ልምዓትን ኣብ ማልታ ኣብዝካየድ ኣኼባ ኣስታት 2 ቢሊዮን ዶላር ንሃገራት ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ትልሚ ከምዘለዎ ዝሓበረ።
እቲ ገንዘብ ኣብ ኣውሮፓ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ብበዝሒ ስደተኛታት ኣስተዋፅኦ ዝገበራ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ውሽጣዊ ምርግጋእን ጠንቂ ስደተ ዝኾኑ ምኽንያታትን ኣብ ምፍታሕ ዝውዕል እዩ።
ቀንዲ ትኹረት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ሱማሊያን ክኾና እየን ብመሰረት እቲ ዜና።
ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣሌግዛንደር ፖላክ እቲ መደብ ንምሉእ ኣፍሪካ ዝሽፍን’ዃ እንተኾነ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ግን ቀንዲ ትኹረትና እዩ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ቀንዲ ምንጪ ቅልውላው ስደተኛታት ዝኾነ እዚ ከባቢ እዚ ዓብዪ ሓገዝ የድልዮ እዩ’’ኢሎም።
እቲ ፕሮግራም ክሳብ 2020 ኣ/ፈ ከምዝዘልቕ ዝገለፁ ፓላክ ነቲ ትልሚ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ሕብረት ኣውሮፓ ዕላዊ ዝገበሩ ፕሬዝዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ምዃኖም ወሲኾም ገሊፆም።
እቲ ንድፊ ንኣባል ሃግራት ሕብረት ኣውሮፓ ክቐርብ እዩ።ዛጊድ ግን ካብ ኣባል ሃገራት ሓገን ንምውፋይ ዘተባብዕ ምክልታት ሪኢና ኣለና ኢሎም።
እዚ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣፍሪካዊያንን ኣውሮፓዊያንን ንሱር እቲ ጠንቂ ኣብ ፍታሕ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ዝሰርሓሉ እዩ ኢሎም።
ነቲ ፕሮግራም ንምጅማር ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ ዝቕፅል ሕዳር ኣብ ማልታ ጉባኤ ከካብዱ እዮም።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘልና ናይ ኣውሮፓዊያን ኣቆፃፅራ ካብ ሰሜን ኣፍሪካ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ብባሕሪ ሜድርታኒያን ኣቢሎም ሰጊሮም ኣለው።