ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸቢድ ዝኹንን ውሳነ ከሕልፍ ንድፊ ቀሪብ`ሎ


ነቲ ኩነታት ኣጽኒዑ ጸብጻብ ዘቕርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ናብታ ሃገር ንክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕድም`ውን እቲ ንድፈ-ውሳነ ጸዊዑ`ሎ።

ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስ ምስፋሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተተሓሒዙ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞን፡ ሓይልታት ጸጥታ ብውሕዱ 140 ሰባት ምቕታሎምን ብዙሓት ምቑሳሎምን ይጠቅስ መግለጺ ንድፈ-ሓሳብ ሕብረት ኤውሮጳ።

እቲ ንድፈ-ውሳነ፡ ከም እስንክንድር ነጋ፡ ተመስገን ደሳለኝ፡ ሰሎሞን ከበደ፡ የሱፍ ጌታቸው፡ ውብሸት ታየ፡ ከምኡ`ውን ኤርትራውያን ሳልሕ እድሪስን ተስፋልደት ኪዳነን ዝበሉ ጋዜጠኛታት ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ተዋሂብዎም፡ ገሊኦም ድማ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይገልጽ።

እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ንድፊ ኣብ ዘቕርቦ 15 ነጥብታት ዝሓዘ መጸዋዕታ፡ ኣብ ቅትለት ሰልፈኛታት ናጻ መርመራ ክግበርን፡ ተሓተቲ ደረጃ ስልጣኖም ብዘየገድስ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ይጽውዕ።

እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ንድፈ-ውሳነ ብተወሳኺ፡ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣብ`ቲ ኩነታት ጸብጻብ ዘቕርቡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናብ`ታ ሃገር ክኣትዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቐልጠፈ ክዕድሞም ይጽውዕ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ልምዓታዊ ሓገዝ፡ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምፍንቓል ሓረስቶትን ኣስተዋጽኦ ከይገብር ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጽኑዕ ቁጽጽር ክገብር ንጽውዕ ይብል እቲ ንድፈ-ሓሳብ።

እቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ ንድፈ-ውሳነ ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ውሳነ`ዚ ናብ መንግስቲን ፓርላማን ኢትዮጵያ፡ ናብ ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ናብ ትካላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ`ውን ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከሕልፎ መምርሒ ይህብ ኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸቢድ ዝኹንን ውሳነ ከሕልፍ ንድፊ ቀሪብ`ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00

XS
SM
MD
LG