ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ፡ ንዝርግሓ ግጉይ ሓበሬታ ዝምልከት መርመራ ኣብ ሜታን ቲክቶክን ጀሚሩ


ባንዴራ ሕብረት ኣውሮጳ
ባንዴራ ሕብረት ኣውሮጳ

ፈይስቡክን ቲክቶክን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ እስራኤል ዘይሕጋዊ ትሕዝቶን ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ሓሶት ወረን ንምዕጋት ዝወሰድዎ ስጉምቲ እንተሎ ንምፍላጥ ሕብረት ኤውሮጳ መርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ`ቲ ብቢልየነር ኢሎን ማስክ ዝውነን ትዊተር ዝብሃል ዝነበረ ሕጂ ኤክስ ዝብሃል ዘሎ ማሕበራዊ ሚድያ`ውን ምጽራይ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ`ሎ፡ ብእኡ መሰረት ድማ ሕጂ ምስ መጥቃዕቲ ሓማስን ግብረ መልሲ እስራኤልን ብዝትሓሓዝ ንፈይስቡክ ዝውንን ሜታ ካምፓኒን ቻይናዊ ቲክቶክ ከምኡ ድማ ኤክስ ምጽራይ ይገብረሎም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ነቲ መርመራ ዝመርሕ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ንሜታ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ኣብ ግጭት ሓማስን እስራኤልን ትምኑይን ዘይሕጋውን ሓበሬታ ዘርጊሑ እንተኾይኑ፡ ከምኡ እውን ትሕዝቶታት ልዕሊ ዓቐን ኣተዓባብዩ እንተኾይኑ ንኽምርምር እዩ።

ኣብ ካልእ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቲክቶክ ኣንጻር ምዝርጋሕ ሽበራዊ ትሕዝቶን ናይ ጽልኢ ዘረባን ዝወሰዶ ስጉምቲታት እንተሎ ንምፍላጥ ስጉምታት ወሲደ ኣለኹ ይብል ።

ሜታን ቲክቶክን ክሳብ 25 ጥቅምቲ ምላሽ ክህቡ ከም ዝጽበዮም ዝገለጸ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ህጹጽነት ዘይሓትት ግን ክሳብ 8 ሕዳር ምላሽ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ከምኡ`ውን ብፍላይ ቲክቶክ፡ ንምሕላው ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ዝምልከት ዘሎ ሕጊ ማዕረ ክንደይ የኽብሮ ከም ዘሎ ከጻሪ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ንምብዳህ ዝዓለመ ዓንቀጽ ሕጊ ኣገልግሎት ዲጂታል( DSA) ከምኡ ሕጊ ዲጂታላዊ ዕዳጋታት ዝብል ዓንቀጽ ሒዙ ይሰራሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ዩ።

ብእኡ ጌሩ ድማ ነቶም ትካላት ቴክኖሎጂ ስርሖም ንምቁጽጻር ከምዘኽእሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ናይ ሓሶት ሓበሬታ ቃልሱ ከሕይል ዝጀመረ ሩስያ ንህዝባዊ ርእይቶ ክትጥምዝዞ ትፍትን ኣላ ብዝብል ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን`ዩ፡ ። ሕጂ ድማ ድሕሪ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ነቲ ምጽራይ ጀሚርዎ`ሎ።

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 45 ሚልየን ተጠቀምቲ ሜታን ቲክቶክን ከም ዘለዉን እዚ ድማ ሰፊሕ ባይታ ምዃኑን ምስ ተፈልጠ እቲ DSA ዝብሃል ክፍሊ ምጽራይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ተግባር ከምዝውዓለ ይጠቀስ። DSA ነቲ ሕጊ ዝጠሓሳ ትካላት ቴክኖሎጂ ክሳብ 7% ካብ ኣታዊታተን ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ገንዘብ ክቐጽዕ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣተግባሪ`ቲ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ቲየሪ ብረቶን፡ ናብ ሓላፍቲ`ተን ትካላት ማለት ናይ ሜታ ማርክ ዙከርበርግ፡ ናይ ቲክቶክ ሾው ዚ ቸው ከምኡ`ውን ወናኒ ዩቱብ ዝኾነ ኣልፋበት ሳንዳር ፒቻይ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበታት ከም ዝለኣኸሎም ኣፍሊጡ`ሎ። ንመጥቃዕቲ ሓማስ ስዒቡ ዝተራእየ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት ስጉምቲ ክውሰደሉ ከም ዝነገሮም`ውን እቲ ኮሚሽነር ዕዳጋታት ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሜታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ግጭት ሓማስን እስራኤልን ብዝተሓሓዝ ዝርኣዩ ጸገማት ዝፈጥሩን ዘይሕጋውያንን ትሕዝቶታትን ስጉምቲ ክወስደሎም ፍሉይ ዓቕምታት ኣውፊሩ ከም ዘሎ ጠቒሱ`ሎ።

ብረቶን“ እዚ ሰፊሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝርግሐ ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታትን ኣብ ኮሚኒቲና ዘየድሊ በሰላ ክገድፍን ንዲሞክራሲያዊ መሓውራትን ከናውጽን ይኽእል`ዩ፡ ንቆልዑትና`ውን ንጎንጻዊ ትሕዝቶታት ዘቃልዖም`ዩ" ኢሉ ።

ብመሰረት ኤይ.ኤፍ.ፒ ዝገበሮ ናይ ባዕሉ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ትሕዝቶ ፈይስቡክ ቲክቶክን ኤክስን፡ ንእስራኤል 8 ቢልየን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝብል ሓደ ናይ ሓሶት ሰነድ ግን ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ዝመስል ሰነድ ተዘርጊሑ ምንባሩ ጠቒሱ`ሎ። ከምኡ ካብ ካልኦት ግጭታት ዝተቐድሐ ወይ `ውን ካብ ቪድዮ ገይም ዝተወስደ ቪድዮታት ካብ እስራኤል ወይ ቓዛ ዝወጸ ተመሲሉ ዝተለጠፈ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።

ሕጂ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር ገዘፍቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፡ ከም ሜታ ዝበላ ገለ ትካላት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝትግበር ከፊልካ ትግልገለሉ ኣማራጺ ይድህስሳ ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG