ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቢሸፍቱ ዝሰዓበ ሞት ነጻ ምርመራ ክግበረሉ ጸዊዑ


ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ሕብረት ኣውሮጳ ኢለና ቫለንቺያኖ
ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ሕብረት ኣውሮጳ ኢለና ቫለንቺያኖ

ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳይ ሰብአዊ መሰል ኢለና ቭለንቺያኖ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቢሸፍቱ ዝሰዓበ ሞት ነጻ ምርመራ ክግበረሉ ጸዊዓን።

ኣብ በዓል ኢረቻ ፖሊስ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ናይ መጠንቐቕታ ጥይትን ብምትዃሱ ዝተፈጥረ ጽቕጥቕጥ ብውሑዱ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ዝጠቐሰት’ታ በዓልቲ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ኻብ መወዳእታ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ ከምዝፀንሓ ገሊጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብነጻነት ምእኻብ፡ሓሳብኻ ምግላጽን ከኽብር ፓርላማ ኣውሮጳ ውሳኔ ምሕላፉ ዘዘኻኸረት ሚስ ኢለና ቫለንቺያኖ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዛይድ ራዓድ ኣልሁሴን ኸምኡ ድማ ኾሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ነጻ መርመርቲ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ክፍቀደሎም ዝቐረብዎ ጻዊዒት ዳግም የስምረሉ ኢላ።

እታ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰልፍኛታት ዝወሰደ ስጉምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኻልኦት ኸባቢታት’ታ ሃገር ውጥረት ንኽውስኽ ጌሩ’ዩ ኢላ።

XS
SM
MD
LG