ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽኑዕን ሕግታትን ተጻባኢ ኩነትን ስደተኛታት ኣውሮጳ ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ የገድድ ምህላው ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ጽኑዕ ሕግታት ዑቕባን ተጻባኢ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ናብ ኣውሮጳ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ምክንያት ይኸውን ከምዘሎ ተገሊጹ። መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተጻባኢ ዝኾነ መርገጺ ከምዘለዎ ይፈልጥ’ዩ ግን ብዙሓት ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ኣብ ብሪጣንያ ስለዘለዎም ዕድላት ኣሎ ብምባል ናብ ብሪጣንያ ይኣትው ከምዘለው’ዩ ዝግለጽ ዘሎ፡ ብመሰረት ሕጊ ዑቕባ ብሪጣንያ ስደተኛታት ኣብ መጀመርያ ዝኣተውዎ ሃገር ሕብረት ኣውሮጳ ዑቕባ ክሓቱ ኣለዎም ይኹን ደኣ‘ምበር ብሰንኪ ህልው ኩነታት ስደተኛታት ናብ ከም ቬትናም ዝኣመሰሉ ሃገራት ብምኻድ ዳግም ብፈረንሳ ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ክኣትው ይፍትኑ’ዮም ክብል ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ይሕብር።

ቁጽሪ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ከምቲ ኣብ ዓመታት 2015/2016 እንተዘይኾነ’ውን ኣብ ፈላሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ግን 10,500 ስደተኛታት ብነኣሽቱ ጀላቡ ብሪጣንያ ምእታዎም እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ 37 % ወሰኽ ምርኣዩ ተሓቢሩ’ሎ።

ዩቶፕያ 56 ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 20 ሰባት ብሪጣንያ ንምእታው ኣብ ዝካየድዎ ፈተነ ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG