ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውሮጳ ንኣፍሪቃ 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ትልግስ


Migrants sit on their belongings in the back of a truck as it is driven through a dusty road in the desert town of Agadez, Niger, headed for Libya, May 25, 2015.
Migrants sit on their belongings in the back of a truck as it is driven through a dusty road in the desert town of Agadez, Niger, headed for Libya, May 25, 2015.

ኣፍሪቃዊያን ንማእከላይ ባህሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ንክኣትው ጠንቂ ኮይንዎም ንዘሎ ድኽነትን ኹናትን ንምግጣም ሓጋዚ ዝተባሃለሉ 2 ቢልዮን ዶላር ከምዝለገሰ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ገንዘብ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ፣ ማዕረ ዕድላት፣ ጸጥታን ምዕባለን ዝውዕል’ዩ ይብል።

ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ንኣገልግሎት ናጻ ምንቅስቃስ ዞባ ሸንገን፣ ኣብ ስግኣት ኣውዲቅዎ ዝብል ገምጋም ኣለዎ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ’ቲ ሕብረት ዶናልድ ተስክ፣ ጀርመን፣ ስዊድን፣ ስሎቨንያን ካልኦት ሃገራትን፣ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ንዝመጹ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ንዝወሰደኦ ስጉምቲ ከምኣብነት ጠቂሶም።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ግና፣ ነቲ ልዕሊ ትጽቢትን ተባራዒ ፖለቲካዊ ኩነታትን ንምብዳህን ካብ ብድኽነት ይሳቀ ዘሎ ዞባታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን እስያን ንዝውሕዙ ስደተኛታትን ንምቁጽጻር፣ መሰረታዊ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ኣገዳሲ’ዩ ይብሉ።

ካብ ጥሪ ክሳብ ሎሚ 140 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም’ዮም። መብዛሕተኦም ኤርትራዊያን፣ ናይጀርያዊያን፣ ሶማልያዊያንን ሱዳናዊያንን እዮም።

አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ 800 ሽሕ ሰባት ብባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ሰጊሮም’ለው። ጣልያንን ግሪክን ድማ ቀንዲ ምዕራፋት ኮይነን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG