ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ንሰብኣዊ ሓገዝ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝውዕል 77 ሚሊዮን ፓውንድ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ


ሕብረት ኣውሮጳ ንሰብኣዊ ሓገዝ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝውዕል 77 ሚሊዮን ፓውንድ ኣብ ዓመት 2016 ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ። እቲ ረድኤት ንህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ፡ኣመጋግባ፡ጥዕና፡ጽርየት፡መጽለሊ፡ምክልኻልን ትምህርትን ክውዕል እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ረድኤት ምስ ኤል-ኒኞ ብዝተኣሳሰረ ንዝተጠቕዑ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ጁቡቲ፣ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ሶማል፣ሱዳንን ኡጋንዳን ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝተውሃበ ናይ 79 ሚሊዮን ፓውንድ ሓገዝ ብተወሳኺ እዩ።

ቀርኒ ኣፍሪካ ብኽስተት ኤል-ኒኞን ግጭትን፡ናይ ተፈጥሮ ጥፍኣት፣ ብዙሕ መልክዓት ብዘለዎም ቅልውላዋት የጋጥሞ ዘሎ ዞባ እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ሰባት ካብ ከባቢታቶም ክፈናቐሉ የገድዶም ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG