ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣውሮጳ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝሃድሙ ስደተኛታት ዝውዕል 22 ሚልዮን ሓገዝ ምምዳቡ ኣፍሊጡ


ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል - ፋይል
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል - ፋይል

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሞም ናብ ግብፂ ይሰግሩ ንዘለው ሱዳናዊያን ንምሕጋዝ 22 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ምምዳቡ ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

ቦረል ነዚ ዝኣወጁ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካይሮ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳመህ ሹክሪ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ግብፂ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅምር ዛጊት ልዕሊ 200,000 ሱዳናዊያን ተቐቢላ ኣላ።

ቦረል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገምገም ግሪክ ኣብ ዝጠለቐት ጀልባ እንተወሓደ 79 ሰባት ዝተቐተልሉን ካልኦት ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ዝጠፍእሉን ኣብዚ ዓመት ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ሕብረት ኣውሮጳ ንሓለዋ ዶብ፣ ፍተሻን ስርሒት ህይወት ኣድሕን ከምኡ'ውን ንፀረ -ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝውዕል ኣስታት 80 ሚሊዮን ዩሮ ከምዝመደቡ'ውን ጆሴፍ ቦረል ወሲኾም ሓቢሮም።

ሹክሪ ብወገኖም ነዚ ንምቁፅፃር ተወሳኺ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG