ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ሓረስቶት ሃገራት ኣውሮጳ ቀጺሉ'ሎ


ሚኒስተራት ሕርሻ ሃገራት ኣውሮጳ ንስክፍታታት ሓረስቶት ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ ዝተኣከብሉ ሎሚ ሰኑይ 26 የካቲት 2024 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ትራክተራት ናብ ብራሰልስ ኣትየን’ላ።

ሓረስቶት ካብ ወፃኢ ሃገራት ብዝኣቱ ዋግኡ ዝሓሰረ መግብ ንዘጋጥሞም ውድድር ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ከባቢያዊ ሓለዋ ንዘሎ ዘይተመጣጠነ ሕግታትን ንዓበይቲ ትካላት ሕርሻ ዝወሃብ ደገፍን ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ጎማታት መኻይን ብሓዊ ብምንዳድ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ከምኡ’ውን ካብ ዩክሬን ንዝኣቱ ዋግኡ ዝሓሰረ ኣቁሑት ተቃዊሞም’ለዉ። ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ብወራር ሩስያ ዝተሃስየ ቁጠባ ዩክሬን ንምሕጋዝ ካብ 2022 ንደሓር ካብታ ሃገር ዝኣቱ ኣቑሑት ካብ ቀረፅ ናፃ ክኸውን ጌሩ’ዩ።

እቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት ሓረስቶት ንቐንዲ መንገድታት ኤውሮጳ ብምዕፃው ንዕለታዊ መነባብሮ’ቶም ኣብተን 27 ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ተንኪፉ’ሎ። ብሰንኪ ዝፈጠሮ ምድንጓይ መጉዓዝያ ኸኣ ንትካላት ንግዲ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት የኽስሮም’ሎ።

እዚ ተቃውሞታት ዝካየድ ዘሎ ናብ ጫፍ የማናዊ ዝዘዘወ መርገፂ ዘለዎም ኣካላት ኣብቲ ናይ ሰነ ምርጫ ፓርላማ ኤውሮጳ ንምውድዳር ይዕወቱ ኣብ ዘለዉሉ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG