ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕጻው ጽርግያ ሓረስቶት ኤውሮጳ ናብ በልጂዩም ይሰፍሕ


ምዕጻው ጽርግያ ሓረስቶት ፈረንሳ
ምዕጻው ጽርግያ ሓረስቶት ፈረንሳ

ኣብ ፈረንሳ ዝጀመረ ምዕጻው ጽርግያ ሓረስቶት ናብ በልጂዩም ቀጺሉ፡ ንመጓዓዝያን ቍጠባዊ ልውውጥን እታ ርእሰ-ከተማ ኤውሮጳ ዝዀነት ሃገር ክጸሉ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ሓረስቶት ካብ ርሑቕ ከተማታት ጀሚሮም ናብ ብራስለስ ገጾም ይምርሹ ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት፡ ነቲ ርክብ ወጢኑ ዘሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ናብቲ ሕብረት ዝኣቱ ሕሱር ንብረት ንምቍጽጻርን ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ዝተዓናቐፈ እቶት ሕርሻ ዝግበኦ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸቕጢ ክግበርን’ዩ። ድሮ’ውን ኣድማ እቶም ሓረስቶት ኣብቲ ውሳነ እቲ ሕብረት ለውጢ ገይሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ መንጎኡ ፈረንሳ ምስ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝጸንሓ ናይ ንግዲ ርክብ ምስራዛ ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ናብ ፈረንሳ ብዝሓሰረ ዋጋ ዝኣቱ ውጽኢት ሕርሻ ንምክልኻል’ዩ።

ኣድማ ሓረስቶት ኤውሮጳ ብፈረንሳ ደኣ ይጀምር እምበር፡ ኣብ መንጎ’ተን 27-ኣባላት እቲ ሕብረት ብማዕረ ዝጸሉ ምዃኑ ይንገር። ብትራክተራት ጌርካ ጽርግያ ናይ ምዕጻው ኣድማ’ውን ብዝነኣሰ መጠን ደኣ ይዅን እምበር ኣብ በርሊንን ሮማን'ውን ምርኣዩ እቲ ዜና ይሕብር። ሓረስቶት ስጳኛ’ውን ኢዶም ንምሕዋስ ኣብ ምቅርራብ ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት ኣብቲ ጽባሕ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየድ ርክብ መራሕቲ እቲ ሕብረት ኣድማ ክግበሩ መዲቦም ኣለዉ። ዛጊት ግን እቲ ኣድማ ሰለማዊን ዝዀነ ጎንጺ ዘይተራእዮን ምዃኑ ኣሶሽይትድ ፕረስ የስዕብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG