ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ናይ 4.4 ቢሊዮን ብር ሓገዝ ተፈራሪሞም


EU logo
EU logo

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ህንፀት መንገድን ንፕሮግራም ሴፍት ኔትን ዝውዕል ናይ 4.4 ቢሊዮን ብር ረድኤት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ረኺቡ።

ምንስቴር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኣቶ ሶፊያ ኣሕመድን ኮሚሽነር ኮሚሽን ዓለምለኸ ምትሕብባርን ልምዓትን ሕብረት ኣውሮፓ ኔቨን ሚኒካብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ተፈራሪሞም ኣለው።

ኢትዮጵያ ንመንገዲ ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ካብ እትጅምር ቅድሚ ትሽዓት ዓመታት 470 ሚሊዮን ዩሮ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ ኣዘኻኺሮም።ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 350 ሚልዮን ዩሮ ንፕሮግራም ሴፍት ኔት ምሕጋዙ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ከምዝንፀባረቕ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ኪሚሽነር ኮሚሽን ዓልመልኸ ምትሕብባርን ልምዓትን ሕብረት ኣውሮፓ ኔቨን ሚኒካ ብወገኖም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርክብ ብምስማር ኣድላይነት እቲ ምትሕብባር ብመንፅር ከባቢያዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ትፃወቶ ዘላ ናይ ሰላምን ድሕነትን ኣበርክቶ ዓብዪ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ይሳለጡ ንዘለው ፕሮግራማት ልምዓት ካብ 1.1 ቢሊዮን ዩሮ ዘይውሓደ ገንዘብ ምሕጋዙ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG