ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሕዝነት ኣውሮዻዊ ሕብረትን ኢትዮዽያን


ሕብረት ኣውሮዻን ኢትዮዽያን
ሕብረት ኣውሮዻን ኢትዮዽያን

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዝቦቅል ገልገለ መስቀል ኣዝየ’የ ዝፈትዎ።እዚ ወቅቲ‘ዚ ኣብ ኢትዮዽያ እቲ ኣዝዩ ዘሕጉስ ወቅቲ‘ዩ።ክራማት ተዛዚሙ ዝናብ ምስ ኣብቀዐ ዘሎ ወቅቲ ኣዝዩ ተፈታዊ‘ዩ ይብላ ባርብራ ፕሊኬርት።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሓደ ካብ‘ቶም ብርክት ዝበሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ነካይዶም ተኸታተልቲ ኣኼባታት‘ዩ።ብመሰረት ንርክብ ኢትዮዽያን ሕብረት ኣውሮዻን ዝንፅር ውዕል ኮተኑ ትሕቲ ዓንቀፅ ሸሞንተ ፖለቲካዊ ልዝብ ዝሕቆፍ‘ዩ ኢለን።

ምስ ቀ/ሚ ዝሓለፈ መጋቢት ተዘራሪብና።ምስ ካልኦት ምንስቲራት‘ውን ከምኡ። ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ምስ ምንስትር ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዘራሪብና። ዞባዊ ዛዕባታትን ፖሊሲ ወፃኢ ኢትዮዽያ ዝምልከት መብርሂ ረኺብና።

ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ኩነታትን ኢትዮዽያ ኣልዒልና ተዘራሪብና ኢና።ግን ሙሉእ ንሙሉእ ኣይተረዳዳእናን ምባል ኣይካኣልን ባሃሊት‘የን ንሰን።

ብመዳይ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፣ሕብረት ኣውሮዻ ንኢትዮዽያ ዝልግሰላ መጠን ገንዘብ ኣልዒለን ክዛረባ ከለዋ፣ልኡኽ ሕብረት ኣውሮዻ ንኢትዮዽያ ዓመታዊ 200 ሚልዮን ዮሮ በጂቱ ከምዝሰርሕ፣ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮዻ ንዝልግሰኦ ዓመታዊ ሓገዝ ወሲክካ ድማ ኢትዮዽያ ዓመት ዓመት 850 ሚልዮን ዮሮ ከምትረክብ ሓቢረን።

ንሙሉእ ትሕዝቶ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:57 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG