ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዘንበሮ እገዳ ብዓይኒ ተንታኒ


ኣውሮጳዊ ሕብረት አብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መራሕቲን ውልቀ ሰባትን ዝሓለፈ ቅነ እገዳ ከምዘንበረ ዝዝከር እዩ። ካብ ሞንጎ’ዞም ወገናት’ዚኣቶም ወትሃደራዊ ጀነራል ሰራዊት ኤርትራ ሓደ እዩ።

አውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወሰኖ እገዳ፣ ንሕቶታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ልዕልና ሕጊን ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዘንጸላልው ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሰረተ ከምዝኾነ ኣብ ለንደን ኢንግላንድ ንትካል ሕጊ ፒተርን ፒተርን ዝነጥፍ ማይክል ኦኬን ይዛረብ።

ንአብነት ይብል ንሱ 'ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ እገዳ ብሰንኪ ኡክረይንን ክሪምያን ዝተነበረ እገዳ ከምዝኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሊብያን ካብ’ቶም ዝተጠቀሱ ጠንቂታት ብሓደ ወይ ክልተ መበገሲ ውሳነ እገዳ ሕብረት አውሮጳ ከምዝተነበረ' ይጠቅስ።

‘ብመንጽር ኣውሮጵያዊ ሕብረት ንእገዳ ዝሕዘሉ ኣገባብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኾነ ነገር፣ ዝገርም ነገር እዩ። እቲ ዝተነበረ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሃገራት መሰረቱ፣ ባህርያት እቶም መንግስታት ንምእራም ዝዓለመ እዩ። ውልቀሰባት’ውን እንተኾኑ፣ ዕላማ እቲ እገዳ፣ እቶም ውልቀሰባት ተግባሮም ንክገትእዎ ዘገድድ እዩ’ ይብል።

እዚ ከምዚሉ ከሎ 'መሰረት-ኣልቦን ዘይቅድውን ውሳነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ትሕቲ ዝብል አርእስቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ ግብረ መልሲ ንውሳነ እገዳ ኣውሮጳዊ ሕብረትኤርትራ፣ ባይቶ ሚኒስተራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዘሕለፎ መሰረት-ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ፣ ብትሪ ነጺጋቶ’ላ’ ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ኣብ’ቲ “ገታኢ ስጒምቲታት ንጒሉሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ውሳነ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ በዚ እኩይ ተግባሩ ብፍሉይ ንቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ’ዩ ዒላማ ከምዝገበረ’ ይጠቅስ።

‘ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ውሳነ’ት ከሕልፍ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መዝነት የብሉን። ዝተፈብረኸ ክስታት’ውን፣ መንቀሊኡን ተልእኾኡን ካልእ ሕቡእ ዕላማታትን ኣጀንዳታትን እዩ’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG