ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውሮጳዊ ሕብረት 226 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ንኤርትራ ንምልጋስ ይሰርሓሉ ኣሎ


EU
EU

ሕብረት ኣውሮጳ፣ስግር ዶብ ስደት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ከሐግዝ ይኽእል’ዩ ንዝበሎ 226 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ፣ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንኤርትራ ንክፍቀደላ ይሰርሓሉ’ሎ።

እቲ ንኣዋርሕ ዝተዘርበሉን ኣብ ዝቅፅሉ 5 ዓመታት በቢደረጅኡ ዝልቀቅን ጥቅሉል ሓገዝ፣ ብጠንቂ ካብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ናብ ኣውሮጳ ሰጊሮም ዕቁባ ይሓቱ ዘለው ስደተኛታት፣ ዝያዳ ቆላሕታ ረኺቡ’ሎ።

ካብ ድኻ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲን ኣዝያ ፅኑዕ መንግስታዊ ቁፅፅርን ኣብ ዝራኣየላ ኤርትራ ይትግበር ዘሎ መወዳኣታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ጠንቂ ዋሕዚን ስደትን ዜጋታታ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ይገልፅ።

ሚሚካ ኣብ ዘረበኦም፣እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ገንዘብ፣ በቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግህስ ኣሎ እናተባሃለ ዝክሰስ መንግስቲ ኤርትራ ኣቢሉ ኣይኮነን ዝከፋፈል ይብል። መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ይነፅጎ።

XS
SM
MD
LG