ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኤርትራ ንመትከላት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ይጽውዕ፡ ድሉውነት ንጽምዶ ይገልጽ


ኣብ ጎድናዊ ርክብ መበል 78 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኹነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዛጊት ኣብታ ሃገር ተገይሮም ዘለዉ ምስፋሕ ዘለቕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምንኣድ፡ እታ ሃገር ድማ ማዕረኡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ክትገብሮ ዘድሊ ሰራሓት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ሕብረት ኣብቲ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2023 ናብ ህዝቢ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዝበሎ ተደጋጋሚ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰፋሕቲ ምስዋር ዜጋታት፡ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲን ካልእ ተመሳሳሊ ጥሕሰታትን ህጹጽ ጠመተ ተገይሩሎም ክመሓየሹ ጸዊዑ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጠንቂ ጃምላዊ ስደት ኤርትራውያን “ገደብ-ኣልቦ” ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ተርእዮ ንምዕጋት መኸተምታ ዘይግዱብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክግበር ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ክወጽእን ንምውጻኡ ድማ ብሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽን ጸዊዑ። ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቆይሙ ነቲ ዝርአ ዘሎ ግፍዕታት ክመሚን ንጹርነት ቦታታት ብግልጺ ከቐመጥን’ውን እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ኣብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ሓሙሸተ-ዓመታዊ ገምጋም (Universal Periodic Review) ምስታፋ ድሕሪ ምምጓስ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ክልኣተኣዊ ጽምዶ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG