ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅን ኻልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ብዘይውዓል ሕደር ካብ ማእሰርቲ ንኽትፈትሖም ፀዊዑ


እቲ ፓርላማ ዳዊት ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመታት ናይ ሕልና እሱር ኮይኑ ፀኒሑ ክብል ብሓደ ድምፂ ሓዘኑ ገሊፁ

እቲ ውሳነ ፓርላማ ይስሃቅ ብነፃ ቤት ፍርዲ ሚዛናዊ ፍርዲ ንኽወሃቦ ብምፅዋዕ ብምኽንያት ኣብ ኤርትራ ኣሎ ብዝበልዎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ማእሰርቲ ንህይወት ዳዊት እውን ስግኣቶም ገሊፆም።

ኩነታት ጥዕናን ካልኦት ጠለባትን ዳዊት ንምፍላጥ ንኽሪኡዎ ንኽፍቀደሎምን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እሱራት ንምፍታሕ ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ ፃዕርታቱ ንኸሐይልን ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ሓቲቶም ኣለው።

እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ዝውሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝጠቅም ንኸይኸውን የግዳስ እቲ ሓገዝ ንድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

ዳዊትን ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ኻልኦትን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ እዮም ተኣሲሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኤርትራ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኽግበር ድሕሪ ምፅውዖም ንዝተኣሰሩ ን11 ፖለቲካዊ እሱራት ንኽትፈትሕ ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።

ኣምነስቲ ከምዝበሎ እቶም ሰለስተ ምንስቴራት ዝርከብዎም 11 ሰባት ኽሲ ከይተመስረቶምን ምስ ናይ ደገ ሰብ ከይተራኸቡን ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።በይኖም ብዝተኣሰሩ ቑፅሪ ንመስቀይቲ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ’ውን ይብል ኣምነስቲ።

ኣብ ኤርትራ እሱራት ኣብ ናይ መርከብ ናይ ኣቑሑት መትሐዚ ኮንተይነርን ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ሙቐትን ከምዝእሰሩ ኣምነስቲ ይፅውዕ።

እቲ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ዓሽራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም እሱራት ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ነቐፌታ ንዘቕርብ ብጭካነ ዝዕፍኑን ንመሰረታዊ መሰላት ዘይግደሱን ምዃኖም ዘዘኻኽር እዩ ክብል ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG